ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ፅሑፋት ግልጋሎት ፎቶኮፒ ስለዝደለየ በዚ ስራሕ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም ተወዳደርቲ ክትወዳደሩ ይዕድም፡፡

ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ

ምልክታ ፕሮፎርማ

ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ፅሑፋት ግልጋሎት ፎቶ ኮፒ ስለዝደለየ በዚ ስራሕ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም ተወዳደርቲ ክትወዳደሩ ይዕድም፡፡

ተወዳደርቲ ከማልእዎ ዝግባእ

1. ናይ 2016 ግብሪ ዝኸፈሉን ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድን፣ ናይ መቕረባይ መፍለይ ቁፅሪ /Tin number/፣ ናይ መቕረባይ ምስክር ወረቐት ዝኾነ መረጋገፂ ዘቕርብ፡፡

2. በዚ መሰረት ዝተዳለወ ዝርዝር ካብ ቢሮና ክፍሊ ዕደጋ ቢሮ ቁፅሪ 110 ካብ ዕለት 16/07/2016 ዓ.ም ጀሚሩ ምውሳድ ይካኣል፡፡

3. ፕሮፎርማ ዝቐርበሉ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 19/07/2016 ስዓት 03፡00 ሰዓት ናይ ንጉሆ ኣታዊ ኾይኑ ይዕሸግ፡፡

4. ፕሮፎርማ ዝኸፈተሉ ዕለት 19/07/2016 ስዓት 03፡30 ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 109 ይኸውን፡፡

5. እዚ ፕሮፎርማ ኣብ መንጎ ግዝኢት ፈፃሚ ኣካልን መቕረባይን ከም ውዕሊ ኮይኑ የገልግል፡፡

6. ውዕሊ ካብዝተኣሰረሉ ዕለት ክሳብ 30/10/2016 ይፀንሕ።

7. ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

8. ተጫረቲ ሰነድኩም ንጨረታ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ንክተእትዉ ንሕብር።

9. ኣድራሻና ከባቢ ጥዕና ጣብያ መቐለ ፊትንፊት ፎቶደስታ ዝርከብ ህንፃ ኣብርሃም ደስታ ቀደማይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 110 እዩ፡፡

10. ተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 09-14-76-94-50 ደዊልካ መብርሂ ምሕታት ይከኣል፡፡

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo