ቤት ፅ/ት ማይ ግልጋሎት ከተማ የጭላ ካብ ዘለዎ በጀት ዓመት 2016 ዓ/ም ንናይ ቤት ፅ/ትና ዝውዕል ትቦን ፉቲንጋት ብግልፂ ጨረታ ኣዋዳዲሩ ክዕድግ ስለ ይደሊ።

ቤት ፅ/ት ማይ ግልጋሎት ከተማ የጭላ

መምርሒ ተጫረቲ

ቤት ፅ/ት ማይ ግልጋሎት ከተማ የጭላ ካብ ዘለዎ በጀት ዓመት 2016 ዓ/ም ንናይ ቤት ፅ/ትና ዝውዕል ትቦን ፉቲንጋት ብግልፂ ጨረታ ኣዋዳዲሩ ክዕድግ ስለ ይደሊ።

❖ ብዕደጋ ፈፃሚ ኣካል ቤት ፅ/ት ማይ ግልጋሎት ከተማ የጭላ

❖ ተጫረቲ ልዕሊ 100,000 ብር ዝዋግኡ እትሳተፉ ተጫረቲ ✓ ንተወሳኺ እሴት ታክስ /AIዝተመዝገበ ክኸወን ኣለዎ

✓ ወርሓዊ ቫት ዲክላሬሽን ከቕርብ ኣለዎ

✓ ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቑፅሪ /TI/ ከቕርቡ ዝክእሉ

✓ ናይ መቕረባይ ምስክር ወረቐት ክቐርቡ ዝኽእል ከቕርቡ ዝክእሉ

✓ በቲ መስመር ናይ 2016 ዓ/ም ንግዲ ፍቓድ ዝተሕደሰ

❖ ኣብ ከይዲ ጨረታ ከጭበርብር ዝሙክር ካብ ጨረታ ወፃኣይ ከም ዝኸውን ፣ኣብ ቐፃሊይ ኣብ ዕደጋ መነግስቲ ከይሳተፍ ከምዝግበር ፣ዘትሐዝዎ መከበሪ ጨረታ ከም ዝውረስን ፈሊጦም ስራዓተ ጨረታ ኣኽቢሮም ዝኣትዉ ፦

❖ ሰነድ ጨረታ እዚ ምልክታ ዘይምለስ 100.00/ሓደ ሚኢቲ ቅርሺ/ ዘይምለስ ናይ ደኩመንት ዋጋ ብምከፋል ካብ ናይ ቤት ፅ/ት ማይ ገልጋሎት ከተማ የጭላ ጨረታ ኮሚቴ ካብ ዝተቓለሐሉ ዕለት 09/07/2016 ዓ/ም እስካብ ዕለት 23/07/2016 ዓ/ም ን 15 ማዓልቲ ሰነድ ጭረታ ዝሽወጠሉ ኣብ ኣየር ዝፀነሐሉ ግዜ ኮይኑ ኣብቲ ዝተገለፀ ናይ ጨረታ ማዓልቲ ሳዓት ይዕፆ ።ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሳዓት 23/07/2016 ዓ/ም ሳዓት 3፡00 ተዓፅዩ ልክዕ በቲ ዕለት 23/07/2016 ዓም ሳዓት 4፡00 እቲ ጨረታ ዝኸፈት ኾይኑ ድሕሪ 5ተ ናይ ስራሕ ማዓልትታት ውዕሊ ዝእሰረሉ ምክበሪ ኣፈፃፅማ ስራሕ ፕሪፎርማንስ ቦንድ ናይቲ ዝሳዓርዎ ድምር ዋጋ ከትሕዙ ዝኸእሉ ።

❖ እዚ ሰነድ ዝሽወጠሉን ዝኸፈተሉን ቦታ ኣብ ቤት ፅ/ት ማይ ግልጋሎት ከተማ የጭላ ይኸውን ።

❖ ተጫረቲ ዝመላኣክምዎ ዋጋ ማዓረ እንተኸይኑ እቲ ዝቐረበ ንብረት ማዓረ ተማቒሎም ዝወስዱ ምኻኖም ።

❖ እቲ ናይ ጭረታ ዋጋ እንተናኣሰ ንኣርባዓን ሓሙሽተን ማዓልቲ ፀኒዑ ዝፀንሕ ኾይኑ ፣ተጫረቲ በቲ ናይ ጨረታ ዋጋ ክሳብ 3ተ ወርሒ ተወሳኺ ትእዛዝ ናይ ምርካብ ዕድል ዘለዎ ብተወሳኺ

❖ ኣብዚ ጨረታ እዚ መከራኸሪ ነገር እንትፍጠር ቤት ፅ/ትና ጨረታ ብሙለእ ይኹንበ ብኸፈሊል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልው እዩ።

❖ መኽበሪ ጨረታ ብር 5000.00/ሓሙሽተ ሽሕ ብር ጥራሕ /ኾይኑ ክሳብ ውዕል ዝእሰር ዘገልል ኮይኑ ውዕል ምስኣሰሩ መክበሪ ናይ ስራሕ /ፕሪፎርማንስ ቦንድ/ 10% ምስ ኣተሐዙ ዝልቀቅ ይኮን ።

❖ መኽበሪ ጨረታ ናይ መኽበሪ ውዕል ኣፈፃፅማ ስራሕ ብጥረ ገንዘብ ወይ CPO ምስ ኣታሓዙን ውዕሊ ምስ ኣሰሩን ይልቀቐሎም

❖ ሰነድ ጨረታ ብክልተ ፖስታ /ኦርጅናልን ኮፒን/ ተዓሽጉ ዝቐርብ ኮይኑ እቲ ዝተመለአ ዋጋ ብናይቱ ድርጅት ላዓላዋይ ሓላፊ ተፈሪሙ ማህተም ዓሪፍዎን ምስ ምሉእ ኣድረሽኡን ይቐርብ ።

❖ ተጫረቲ ኣብ ከይዲ ኣፈፃፅማ እት ጨረታ ቅሬታ እንተሃሊዎም ጥራዓኖም መጀመርያ ናብ ጨረታ ኮሚቴ ቤት ፅ/ት ማይ ግልጋሎት ከተማ የጭላ ኣቕሪቦም ፍታሕ እንተይዘረኺቦም /እንተይዓጊቦም /ስዓራይ ካብ ዝተነፀረሉ ጀሚሩ 5ተ ማዓልቲ ቅድሚ ምሕላፍ ቅሬተኦም ናብ ላዓላዋይ ሓላፊ ከቕርቡ ይኽእሉ እዮም ።

❖ ቤት ፅ/ት ኣብዚ ጨረታ ሳዓራይ ኣብ ዝመረፀሉ እዋን መጠን ዝሽየጥ ኣቕሓ ክሳብ 20% ክውስኸ ወይ ክቕንስ ይኽእል እዩ።

❖ ሳዐራይ ንዘቕርቦ ንብረት ክሳብ 3ተ ወርሒ ልዕሊኡን ዋስትና ከወስድ ዝኽእል ።

❖ ስሩዕ ሰነድ ጨረታ ምስ ተመለአ ዋጋ ሰነድ ሙለእ ደክሞንትን ብሓባር ኣብ ፖስታ ተዓሽጉ ክቐርብ ግድን እዩ። ካሊእ እብ ኣዋጅ ቁፅሪ 174/2002 ብዘሎን ነዚ መተግበሪ ዝወፀ መምርሒ ብእግባብ መሰረት ይፍፀም ። ኣብዚ ዝሰፈረ ምስቲ ኣዋጅ መምርሕን ዝጋነፅ ቃል ከም መምርሒ ኮይኑ ኣየገልግልነ ።

መታሓሳሰቢ -

➢ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገለፀ ንብረት ሳዓራይ ዝኮነ ብናይ ባዓሉ መፅፀንነ መርገፍን ናብ ቤት ፅ/ት ማይ ግልጋሎት ከተማ የጭላ ኣታዊ ዝገብር ።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo