ዓዲ ግራት ጀነራል ሆስፒታል ንግልጋሎት ዝውዕሉ ዝተፈላለዩ

ዓዲግራት ጀነራል ሆስፒታል

ግልፂ ጨረታ

ዓዲግራት ጀነራል ሆስፒታል

ዓዲ ግራት ጀነራል ሆስፒታል ንግልጋሎት ዝውዕሉ ዝተፈላለዩ

01. ናይ MDR-TV ተሓከምቲ ምግቢ ዝከውን ንብረት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ካብ ዝምልከቶም መቅረብቲ ነጋዶ ክዕድግ ይደሊ፣፣

ጨረታ መምርሒ

01. ናይቲ ዝወዳደረሉ ንግዲ ዘርፊ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ መፍለዪ ቁፅሪ (Tin card), ቫት ተመዝጋቢ መረዳእታ ቫት ዲክለር ዝተገበረሉን ዝተሓደሰ ናይ መቅረብቲ ካርዲ ኣብ እዋን ጨረታ ዝክፈተሉ ኦርጅናልን ሓደ ኮፒን ዘቅርብ፡፡

02. ጨረታ መክበሪ ብስፒኦ ወይም ብጥረ ገንዘብ ጥራሕ ኮይኑ 2000.00 (ብር ክልተ ሽሕ ®/100) ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ምስ ጨረታ ሰነድ ናብ ጨረታ ሳንዱቕ ዘእተው።

03. እቲ ጨረታ ኮነ ኢሉ ዘዛበዕ ከጭበርብር ዝፈተነ ካብቲ ጨረታ ክወፅእ ተገይሩ ዘትሓዞ ጨረታ መክበሪ ተወሪሱ ብናይ ክልል ትግራይ ዕድጊት መምርሒ ዝድንግጎ ብሕጊ ተሓታቲ ይኸውን፡፡

04 ድሕሪ ጨረታ ምኽፋቱ ዝኾነ ይኹን መመሓየሺ ኣብ ጨረታ ሰነድ ምግባር ብፍፁም ኣይፍቀድን፡፡

05. ኣብ ሓደ ሎት ውሽጢ ዝወፀ ጨረታ ብዘርፈ ቫት ካብ ዝሓቱን ቫት ምዝገባ ካብ ዘይሓቱን ወፃኢ ካብ ብር 100,000.00 ንላዕሊ ዋጋ ኣብ ዘለዎ ዕደጋ ዝሳተፍ ዝኾነ ተጫራታይ ውሽጢ ዓዲ ንተወሳኺ እሴት ታክስ ዝተመዝገበን ከም ኣድላይነቱ ወርሓዊ ዲክላሬሶን ዘቕርብን ምዃኑን መፍለይ ቁፅሪ ዝሓዘን ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ፣ ዝተሓደሰ ወረቐት ምስክር መቕረባይነት ከቕርብ ዝኽእል ወይ ፌደራል ኤጀንሲ ዕደጋ ምም/ር ንብረትን ኣብ ዘዳለዎ መርበብ ሓበሬታ ዝተመዝገበ ከምኡ ድማ ተጫረቲ ወፃኢ ሃገር ኣብ ዝስታፉሉ ግዜ ከም ኣድላይነቱ ካብ ዝተጣየሸሉ ሃገር ዝተውሃቦም ናይ ኩባንያ ምዝገባ ምስክር ወረቐት ወይ ፍቓድ ከቕርቡ ከም ዝግባእ ምጥቃሱ፡

06, ተጨራታይ ዝሰዓሮ ንብረት እቲ ጨረታ ሰዓራይ ምዃኑ ካብ ዝፈለጠሉ/ክፈልጦ ካብ ዝግባእ ዕለት ጀሚሩ ድሕሪ 3 መዓልቲ ኣብ 3 መዓልቲ ውሽጢ ናብ ዓዲግራት ጀነራል ሆስፒታል ደጋፊ ከየዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይ/ምም/ር ንብረት ብኣካል ቀሪቡ ውዕሊ ይኣስር፡፡

07. ብቲ ጨረታ ከይዲ ቅሬታ እንተሃልዩዎ ጨረታ ውሳነ ካብ ዝረኸበሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ 3ተ ተኸታታሊ ናይ ስራሕ መዓልቲ ጥራሕ ናብ ዓዲግራት ጀነራል ሆስፒታል ቅሬታ ዘለዎ ቅሬታኡ ብፅሑፍ ከቅርብ ኣለዎ።

08. ጨረታ ሰነድ መግዝኢ ዘይምለስ ብር 50.00(ብር ሓሙሳ ቅርሺ) ብምኽፋል ካብ ዕለት 10/07/2016 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ 30 /07/2016ዓ/ም ካብ ዓዲግራት ጀነራል ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስ ምምሕዳር ንብረትን ጨረታ ሰነድ ወሲዶም ዋጋ ብትኽክል መሊኦም ንዑኡ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቕ ኦርጅናልን ኮፒን ብፖሰታ ዓሺጎም ክእትው ኣለዎም፡፡

09. መቕረባይ ብውዕሊ መሰረት ኣታዊ ካብ ዘይገበሮ ንብረት በብመዓልቱ 0.1% ወይ /1
ቅፅዓት ከምዝኸፍል፣ በዚ ዓይነት ዝሕሰብ ቅፅዓት ካብ ጠቕላላ ናይቲ ውዕሊ ዋጋ ካብ 10% ዝበልዕ ክኸውን የብሉን፣ ናይቲ ውዕሊ ኣፈፃፅማ ብምዝንግዑ ኣብ ምንቅስቓስ ስራሕ ቤት ዕዮ ፀገም ዘስዕብ እንተኾይኑ ቤት ዕዮ ናይቲ ቅፅዓት መጠን 10% ክሳብ ዝበፅሕ ከይተፀበየ መጠንቀቕታ ብምፅሓፍ ውዕሊ ምስራዝ፣ ከም ዝኽእል ኣብ ዓንቀፃት እቲ ውዕሊ ክሕብር ኣለዎ ፣

10. ሰዓራይ ናይ ዝሰዓሮም ጠቕላላ ዋጋ 10% ውዕሊ መኽበሪ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብሲፒኦ ጥራሕ ክትሕዝ ዝኽእል ናይቲ ዝሰዓሮ ንብረት ናይ ትራስፓርት ይኹን ናይ መፅዓንን መራገፍን ወፃኢ ባዕሉ ሸፊኑ ናብ ዓዲግራት ጀነራል ሆስፒታል ከረክብ ዝኽእል፡፡

11. ተጫራታይ ካብ'ቲ ናይ ትግራይ ናይ ዕድጊት መምርሒ ወፃኢ ዝኾነ ናይ ግዘ ገደብ ሂቡ እንተተወዳዲሩ ስዓራይ ኣብዝኾነሉ በቲ ናይ ዕደጋ መምርሒ ዝተኣናገዱ ምዃኑ ፈሊጡ ናይ ባዕሉ መምርሒ ከቕምጥ ከምዘይብሉን እንተቐመጠ'ውን ተቐባልነት የብሉን።

12. ሰዓራይ ዝሰዓሮ ንብረት በቲ ዝቀረበ ሳምፕልን ዘድለ መግለፂ ምዃኑ ብበዓል ሞያ እናተረጋገፀ ኣታዊ ይግበር፡

13. ሆስፒታልና እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

14. ተወዳደርቲ አብ ዘቅረብዎ መወዳደሪ ሓሳብ ሽምን ክታምን አድራሻን ከስፉር አለዎም

15. ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝጋቢ ዝኮነ ተጫራታይ ዘቅርቦ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝሓወሰ ወይ ዘይሓወሰ ምካኑ እንተዘይ ኣማላኪቱ ተወሳኪ እሴት ታክሲ ሓዊሱ ከም ዝተመልአ ይቁፀር፡፡

16. ሆስፒታልና 20% ናይ'ቲ ዝተሰዓረ ንብረት ዋጋ መጠን ናይ ምውሳኽን ምቕናስን መሰል ኣለዎ

17. ካብዚ ብተወሳኪ ናይ ዝርዝር መምርሒ ተጫረትትቲ አብ ናይ ባዕሎም ሰነድ ዋይ መምርሒ ተጫረትቲ መሰረት ዝውሰን ይከውን ፡፡

18. እዚ ጨረታ ዕለት ዓዲግራት ጀነራል 01 /08/2016ዓ/ም ሰዓት 8፡30 ተዓፅዩ ሰዓት 9፡00 ድ/ሰዓት ኣብ ሆስፒታል ደጋፊ ከ/ስ/ ዕደጋ ፋይ/ምም/ር ንብረትን ይኽፈት፡፡

19. ዝርዝር ንብረት ዘድሊ ዋጋ መፅዓንን መራገፍን ካብ መቅረብቲ ምካኑ ኣሚንኩም መሊእኩም ክተቅርቡ ነፍልጥ፡፡

20.

21.

22. ንተወሳኪ ሓበሬታ፡- ብስልኪ ቁፅሪ 03-44-45-22-01 /0914194400


23. ዓዲግራት ጀነራል ሆስፒታል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo