ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ብናይ SLMP 3 በጀት ንቤት ፅሕፈት ዘፈር ቁጠባ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ግልጋሎት ዝዉዕል ፅሕፈት መሳርሒ : ኮምፒተርን መለዋወጢ ኣቅሑትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ

ጨረታ ብሬዲዩ ዝተጋወሐሉ ዕለት : 9/7/2016 ዓም

1 ናይ ፅሕፈት መሳርሒ : ኮምፒተርን መለዋወጢ ኣቅሑትን  ቢሮ ገዛን  ዘፈርኩም ንግዲ ፈቃድ ዘለኩም

2 ናይ 2015 ዓም ግብሪ ዝከፈልኩም ናይ 2016 ዓም ንግዲ ፍቃድ ዘሐደስኩም ወረቀት ምስክረ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዘቅርብ ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2015 ቫት ድክለሬሽን መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

3 መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ : ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ክተቅርቡ እትክሉ

4 ኣብ ፖስታ ዝዕሸገ ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ : ተወሳኪ እሴት ታክስ ምስክር ወረቀት : ዝተሐደሰ መቅረባይነት  : ናይ ግብሪ  ከፈልቲ መለለይ  ቁፅሪ ብግልፂ ዝረአ ክከዉን አለዎ ኣብ ዝባኑ ምልክታ ብምግባር ከቅርብ ዝክእል

5 ተጫረቲ ቅዳሕ ጨረታ ሰነድ ጨረታ ብምግባር ዋናን ቅዳሕን ተባሂሉ ነኒበይኑ ኣብ ክልተ ፖስታ ተዓሺጉ ኣብ ዝባኑ ምልክታ ብምግባር ከቅርብ ዝክእል

6 ኣብ መንግስታዊ ጨረታ ኣብ ዝኮነ ይኩን ዝተኣገደ ትካል ኣብዚ ጨረታ ክሳተፍ ኣይክእልን

7 ከይዲ ጨረታ ብኣይአገባብ ንምዝባዕ ምፍታን ብሕጊ ዘሐትንን ጨረታ ከይሳተፍ ክሳብ ምእጋድ ስጎምቲ ዘስዕብ ምካኑ ንሕብር

8 ተጫረቲ ዋጋ እንትመልኡ ናይ ሐደ ዋጋ ጠቅላላ ዋጋ አፈላላይ ክህልዉ የብሉን አፈላላይ እንትህሉ ድማ ናይ ሐደ ዋጋ ጥራሕ ተቀባልነት ይህልዎ

9 ተጫራቲ ዋጋ እንትመልኡ ስርዝ ድልዝ ወይ ድምሳስ ክህልዉ የብሉን ስርዝ ድልዝ ወይ ድምሳስ እንተጋጥም ፓራፍ ክግበረሉ አለዎ

10 ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ መከበሪ ጨረታ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ብር 15100 ቅርሺ ከትሕዙ ዝክእሉ

9 ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ተጫራቲ ካብ ዕለት 4/7/2016 ዓም ክሳብ 18/7/2016 ዓም ኣብ ዘሎ ግዘ ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ እናመፃእኩም 100 ቅርሺ ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ትክእሉ

10 እቲ ጨረታ 19/7/2016 ሰዓት 3:00 ናይ ንጉሆ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 3:30 ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ይክፈት

11 ሰዓራይ መቅረባይ ዝፍለጠሉ ብመሰረት ዝቀረበ ዝርዝር መዓቀኒ ኮይኑ ዝተሐተ ዋጋ ካብ ዝመልእ መቅረባይ እዩ

12 ተጫራታይ ሰዓራይ ተባሂሉ ፋይናንሽል ዉፅኢቱ ብስሩዕ ካብ ዝፈለጠሉ ዕለት ድሕሪ 3 ናይ ቅሬታ መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስረ ዝክእልን : ካብ ጠቅላላ ዝሰዓሮ 10 ሚእታዊ ዉዕሊ መከበሪ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ድማ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል

13 ዝሰዓራይ ተወዳዳራይ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ወፃኢ ናብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ንብረትን ምምሕዳር ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ቤት ፅሐፈት ቁፅሪ 5 አታዊ ዝገብር

13 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙለእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo