ኮሚሽን ኣብያተ ህንፀት ትግራይ ን2016 ዓ/ም ካብ ዝተመደበ በጀት ንኣባላት ፖሊስ ዝኸውን ጫማ ፤ ኮበርታ፤ ኣንሰላ ካብ ሕጋዉያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእን ናይ ሕትመት ስራሕቲ ሰነዳት ከሕትምን ስለ ዝደሊ ዝምልከተኩም ኣካላት ንክትወዳደሩ ይዕውዕ።

ኮሚሽን ኣብያተ ህንፀት ትግራይ

ምልክታ ግልፂ ጨረታ ጨረታ

ኮሚሽን ኣብያተ ህንፀት ትግራይ ን2016 ዓ/ም ካብ ዝተመደበ በጀት ንኣባላት ፖሊስ ዝኸውን ጫማ ፤ ኮበርታ፤ ኣንሰላ ካብ ሕጋዉያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእን ናይ ሕትመት ስራሕቲ ሰነዳት ከሕትምን ስለ ዝደሊ ዝምልከተኩም ኣካላት ንክትወዳደሩ ይዕውዕ።

ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግባእ ረቋሒ

1. በቢ ስራሕ ዘርፉ ናይ 2016ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ፤ዝተሓደሰ መቅረባይነት ከምኡውን መፍለይ ቁፅሪ ቲን ዘለዎ ኮፒ ከቅርብ ዝኽእል፤

2. ንጫማ፤ኮበርታ፤ኣንሰላ መቐረብቲ ዝኾኑ ንተወሳኺ እሴት ታክሲ /ቫት/ ዝተመዝገቡን ናይ ወርሒ ጥሪ 2016 ዓ/ም ሒሳብ ዲክለር ዝገበረ ምዃኑ መረዳእታ ካብ ዝምልከቶ ከቐርብ ዝኽእል ፤

3. ተወዳደርቲ ዝመልእዎ ዋጋ ስልዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይ ሓደ ዋጋን ጠቅላላ ዋጋን ምስ ቫቱ ብምምላእ ናይ ተጫረቲ ንፁር ኣድራሻ ብምጥቃስ ማህተምን ፌርማን ብምግባር ኣብ ዋጋ መምልኢ ጨረታ ተመሊኡ ክቐርብ ኣለዎ ካብቲ ናይ መስራቤት ዘቕረቦ ቅጥዒ መምልኢ ዋጋ ወፃኢ ካሊእ ናይ ባዕልኻ ፎርሚ ገይርካ ምምላእ ተቐባልነት የብሉን

4. ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 06/07/2016ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 18/07/2016ዓም ዘይምለስ ብር 100/ሓደ ሚኢቲ ቅርሺ ብምክፋል ኣብ ሰራሕ መዓልቲ ካብ ኮሙሽን ኣብያተ ህንፀት ትግራይ ዳሪክቶሬት ዕደጋን ፋይናንስን ምም/ር ንብረት ቢሮ ቁፅሪ 6 ምውሳድ ይከኣል

5. ጨረታ ዝዕፀወሉን ዝክፈተሉን ዕለት 18/07/2016ዓ/ም ሰዓት 3፡10 ተወዳደርቲ ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣብ ዘተረኸቡሉ ይከፈት ተወዳደርቲ 18/07/2016ዓ/ም ሳዓት 3.00 ተዓፅዩ ዕለት ክማላእ ዝግባእ ደኩሜንት እንተማሊኦም ተወዳደርቲ ተዘይሀለው ውን ክኸፈት ይክእል እዩ

6. መክበሪ ጨረታ ንደንቢ ክዳን ኣበ ኩነታት ዘይተመስረተ ብባነኪ ዝተረጋገፀ ቸክ ብር 100000/ሓደ ሚኢቲ ሽሕ ፤ንናይ ሕትመት ስራሕቲ ብር 10000/ዓሰርተ ሽሕ ብስፒኦ ከትሕዙ ኣለዎም

7. ዝሰዓረ ተጫረቲ ሰዓሪ ምዃኑ ካብ ዝተነገሮ ኣብ ውሽጢ 5ተ መዓልቲ ካብ ዘሸነፎ መጠን ዋጋ 10% ብምትሓዝ ውዕል ዝኣስር ክኸውን ኣለዎ ውዕል ተዘይ ኣሲሩ ንመክበሪ ጨረታ ዘትሐዞ ገንዘብ ናብ መንግስቲ ኣታዊ ይኸውን ።

8. ሰዓሪ ዝኾነ ተወዳዳሪ ሰዓሪ ኮይኑ ምስተነገሮ እቲ ንብረት ኣብ ዉሽጢ 40 ማዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጋዓዓዚ ናብ ናይ ኮሚሽን ኣብያተ ህንፀት መክዚን ከረክብ ዝኽእል

9. እቲ ንብረት በቲ ዝድለ ፅሬትን ስፐስፍኬሽንን እንተዘይ ኣቅሪቡ ዘይንቅበልን ንመኽበሪ ውዕል ዘትሓዞ ገንዘብ ናብ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ከምዝኸውንን ክፍለጥ ኣለዎ ፤

10. እቲ ንብረት ብሰብ ሞያ ትክለኛነቱ ተረጋጊፁ ምስ ኣረከበ ሒሳቡ ዝኽፈል ይኸውን ካብ ጠቕላላ ዝሰዓሮ ዋጋ ንብረት ዝኸፈሎ ገንዘብ ዊዝ ሆልድ ታክሲ 2% ዝኸፍል ይኸውን

11. ኮሚሽና ኣብ በዝሒ ንብረት 20% ምዉሳኸ ወይ ምቅናስ ይኽእል እዩ ፤

12. መስራቤትና ዘሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ

መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓቤሬታ ብኣካል ወይ ብስልኪ ቁፅሪ 0913740315/0919914018/

0342408918 ምሕታት ይከኣል።

ኮሚን ኣብያተ ህንፀት ትግራይ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo