በዓል መዚ መንገዲታት ትግራይ ኣብ 2016 በጀት ዓመት ብመንገዲታት ፈንዲታት ኢትዩጰያ ካብ ዝተረከበ በጃት ኣብ ዝተፈላለዩ ወረዳታት ዝርከብ ናይ መንገዲታት ፅገና ስራሕቲ ምስራሕ ሰለ ዝደለየ ብጨረታ አወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ

በዓል መዚ መንገዲታት ትግራይ

1 ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ:  ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ብቅዓት መረጋገፂ  ምስክር ወረቀት : መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ : ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ማለት እዉን ቫት ናይ ዝሐለፈ ተወሳኪ እሴት ታክስ ማለት እዉን ቫት ድክለሪሽን : ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ዘለዎም

2 ናይ ጨረታ ዉሕስና ብኢትዩጰያ ባንኪ ካብ ዝተፈቀደሎም ዝተፈለጡ ባንኪታት ዝዉሃብ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ናይ ገንዘብ ክፍሊት መኣዘዚ ማለት እዉን ስፒኦ ወይድማ ብጥረ ገንዘብ 500000 / ሓሙሽተ ሚኢቲ ሽሕ ቅርሺ ብሽም በዓል መዚ መንገዲታት ትግራይ ከቅርቡ አለዎም

3 ተጫረቲ ቦታ ከብ ዝተረከብሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 60 መዓልቲታት ሙሉእ ብሙሉእ ወዲኦም ከረክቡ አለዎም

4 ኩሎም ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 5/7/2016 ዓም ጀሚሩ ካብ በዓል መዚ መንገዲታት ትግራይ ዳይሬክቶሬት ዲዛይን ምህንድሳን ዕዳጋ ኣድማስ ዩኒቨርሰቲ ህንፃ ቢሮ ቁፅሪ 2 ራብዓይ ደብሪ ቀሪቦም ንሕድሕድ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 500 ቅርሺ ብምክፋል ክገዝኡ ይክእሉ እዩም

5 ተጫረቲ ናይ ዝተጫረትሉ ፋይናንስ ፕሮጀክት ሰነድ ሐደ ዋናን ክልተ ቅዳሕ ሰነዳት ጨረታ ቴክኒካል ሰነድ ድማ ሐደ ዋና ሐደ ቅዳሕ ሰነዳት ጨረታ ናይ ዉሕስና ጨረታ ማለትእዉን ቢድቦንድ በበይኖም ኣብ ዝተፈላለዩ ፖስታት ብምዕሻግ መሊሶም ኣብ ዓብይ ፖስታ ብምዕሻግ ኣብ ልዕሊ እቲ ፖስታ ሙሉእ ሽምን ኣድራሻን ቤት ዕዩምን ዝተጫረትሉ ሽም ፕሮጀክትን አድራሻን ከምዝረአ ብምፅሓፍ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 2 ናይ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ካብ ዕለት 20/7/2016 ዓም ሰዓት 3:30 ቅድሚ ቀትሪ ብኣካል ብምምፃእ ክተእተዉ አለኩም

6 ተጫረቲ ኣብቲ ሰነድ ጨረታ ዝቀርቡ ነጥብታት ብትክክል መሊኦም አብ ሕድሕድ ገፅ እቲ ሰነድ ፊርሞምን ማህተሞምን ብምዕራፍ ቅደም ሰዓብ ሰነድ እንተይአዛብዑ እቲ ሰነድ ከምቲ ክሽየጥ ዝነበሮ ከይኣጎደሉ ከቅርቡ አለዎም

7 እቲ ጨረታ ኩሉም ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ 20/7/2016 ዓም ሰዓት 3:30 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ አብተመሳሳሊ ዕለት 20/7/2016 ሰዓት 4:00 ቅድሚ ኣብ ቢሮ ቁፅሪ ክልተ ዝከፈት ይከዉን

8 ተጫረቲ ብርኪ ፍቃድ ደረጃ RC 5 / GC 6 ልዕሊኡን ዘለዎም ተኮናታርቲ ክኮኑ አለዎም

9 እቲ በዓል መዚ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፍል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

10 መዘካከሪ ተጫረቲ ኣብቲ ቦታ ብኣካል ተረኪቦም ንክሪኡን ቦታ ሪኦም ዋጋ ክመልእ አለዎም

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0914759582 / 0914000506

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo