ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ አላማጣ ንሴክተራት ግልጋሎት ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ መሳርሒታት ፅሕፈት : ኤሌክትሮኒክስ : ኣቅሑት ፅሬት : ናዉቲ ቤት ፅሕፈትን : መለዋወጢ ኣቅሑት መኪናን ብመደበኛ በጀት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ኣላማጣ

1 ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ : ናይ ዘመን ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት : ንመሳርሒታት ፅሕፈት : ኤሌክትሮኒክስ : ናዉቲ ቤት ፅሕፈትን : መለዋወጢ ኣቅሑት መኪናን ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝጋቢ ዝኮነን ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ማለት እዉን ቫት ምስክር ወረቀት ዘለዎን : ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ መላት እዉን ቲን ናምበር ዘለዎ :  ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ማለት እዉን ቫት ዲክለር ዝገበረሉ መረዳእታ ተጫረቲ ንሕድሕድ ሰነድ ጨረታ 50 ብምክፋል እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ጥራሕ ካብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ንብረት ምምሕዳርን ጨረታ ምዉሳድ ይክእሉ

2 ሰዓራይ ተጫራቲ ዝሰዓሮም ንብረት ብናይ ባዕሎም መጎዓዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ አላማጣ ከርክብ ዝክእል

3 እቲ ጨረታ ካብ 5/7/2016 ዓም ክሳብ 21/7/2016 ዓም ኣብ ኣየር ዝፀንሕ ኮይኑ እቲ ሳንዱቅ 21/7/2016 ዓም ልክዕ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

4 ቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ አላማጣ ኣብ ሞኮኒ ይክፈት

5 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

6 መክበሪ ጨረታ ንመሳርሒታት ፅሕፈት : ኤሌክትሮኒክስ : ናዉቲ ቤት ፅሕፈትን ነሕድሕዶም 7000 / ሸዉዓተ ሽሕ ቅርሺ / : ንፅሬት ኣቅሑት 1000 ቅርሺ ብስፒኦ : ብጥረ ገንዘብ : ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ዉሕስና ባንኪ : ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሌተር ኦፍ ክሪዲት ከትሕዝ ዝክእልን ሐደ ቅዳሕን ዝብል መፍለይ ብፅሑፍ ብምግባር ክሳብ ዕለት 21/7/2016 ዓም ሰዓት 4:00 አብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ኣላማጣ ኣብ ከተማ ሞኮኒ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ከእትዉ ዝክእል

7 ንተወሳኪ ሐበሬታ  0914047428  /0914169925 / 0914848540

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo