ኩባንያና መስፍን ኢንዳትሪያል ኢንጅነሪንግ ሓላ / ዝተ/ዉ/ማ ኣብ ታሕቲ ንሰራሕተኛታቱ ግልጋሎት ዝዉዕል ኮትን ሱሪን ብቕሉዕ ጨረታ አወዳዲሩ ኣስፊዩ ክዕድግ ስለ ዝደለየ በዚ ዘርፊ ስራሕ ፍቃድ ዘለኩም ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘረ መዓቀኒታት እትማልኡ ሕጋዊ ነጋዶ ኣብዚ ጨረታ ንክትሳተፉ ይዕድም

መስፍን ኢንዱስትሪያል ኢንጂነሪንግ

ተቁ

ዓይነት ንብረት

መዓቀኒ

በዝሒ

መብርሂ

1

Touser & over coat for welders and flame cutters (KAKI)

ፅምዲ

722

ብትካልዝቀረበ መርኣያ መሰረት

1 ናይዚ ጨረታ ተሳተፍቲ ናይ 2015 /2016 ዓም በቲ ዘርፊ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ከቅርብ ዝክእል ክከዉን ክክእል አለዎ

2 ተጫረቲ ዝተሐደሰ ፍቃድ ግብሪ ከፋሊ ምዝገባ ምስክር ወረቀት ተጨማሪ እሴት ታክስ ናይ ዝሐለፈ ወርሒ ናይ ቫት ዲክላራስዩን ሰነዳት ዝምለስ ኦርጅናልን ዘይምለስ ፎቶ ኮፒ ብምትሕሓዝ ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 13/ 03/2024 ክሳብ 26/03/2024 ዓ.ም.ፈ ሰዓት 4:00 ኣብ ስራሕ ሰዓት( ካብ ሶኒ ክሳብ ዓርቢ ካብ ንጉሆ 2:00 ክሳብ 6:00  ድ/ቀትሪ 7:00 ክሳብ 11:00 ) ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት መቐለ ካብ ኮርፓሬት ዕደጋ መምርሒ ክወስዱ ይክእሉ

3 ተጫረቲ ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ ግብሪ ከፋሊ ምዝገባ ምስክር ወረቀትን ተጨማሪ እሴት ታክስ ሰነዳት ዝምለስ ኦርጅናልን ዘይምለስ ፎቶ ኮፒ ብምትሕሓዝ ናይ ሐደ ዋጋ ብምንፃር ዝተዓሸገ ፖስታ ዋጋኦም ካብ ዕለት 13/03/2024 ዓ.ም.ፈ ክሳብ 27/03/2024 ዓ.ም.ፈ ሰዓት 4:00 ኣብ ስራሕ ሰዓት ናብ ዋና ቤት ፅሕፈት እናቀረቡ ነዚ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ከእትዉ ይግባእ

4 ጨተጫረቲ ናይ ጨረታ መከበሪ ስፒኦ ብር 50,000 / ሓምሳ ሽሕ ብር / ምስ ጨረታ ደክመንት ከተሓሒዞም ከእትዉ ይግባእ

5 ጨረታ ዕለት 27/03/2024 ዓ.ም.ፈ ሰዓት 4:00 ንጉሆ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ንጉሆ ድሌት ዘለዎም ተጫረቲ ወይም ወኪላቶም ኣብ ዘለዉሉ ይክፈት (ዕለት 27/03/2024 ዓ.ም.ፈ በዓል እንትኮይኑ ቐፂሉ ዘሎ መዓልቲ 28/03/2024 ዓ.ም.ፈ ሰዓት 4:00 ንጉሆ ተዓፅዩ ሰዓት 4:30 ይክፈት) ናይ ጨረታ ደኩመንት እንተተማሊኡ ተጫረቲ ኣብ መክፈቲ እንተዘይተረከቡ እዉን እቲ ጨረታ ዝክፈት ይከዉን

6 ናይ ጨርቂ ስፌትን ፅሬትን ንምርግጋፅ ትካል ብዘቅረቦ መርኣያ መሰረት ተጫረቲ ናየቲ ዝተጫረትሉ ሰረን ጃካትን (ቱታ) ሐደ መረኣያ ሰፊዩም ማሀተም ብምግባር ምስ ጨረታ ሰነድ ከቅርብ ይግባእ

7 ተጫረቲ ኣብ ናይ ካሊእ ተጫራታይ ዋጋ ተደሪኮም ዋጋ ምእታዉ ኣይከኣልን::ጨረታ ደክመንት ማህተምን ፊርማን ናይ ተጫራታይ ክዓርፎ አለዎ ::ኣብ ጨረታ ሳንዱቅ ዝአተወ ፖስታ ብምንም ምክኒያት ክምለስ ኣይከኣልን

8 ተጫረቲ ዘቅረብዎ ዋጋ ኣብ ዋጋ መቅረቢ ሰነድ( performance) ኩነታት ቫት ብግልፂ ዝሐወሰ ወይ ዘይሐወሰ ምካኑ ከጠቅሱ ይግባእ እንተዘይተጠቂሱ ግና እቲ ዘቅረብዎ ዋጋ ቫት ክምዝሐወሰ ተገይሩ ይሕሰብ

9 ተጫረቲ እቲ ዘቅርብዎ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዜ ብግልፂ (Price Validity)ከቀምጡ ይግባእ

10 ተጫረቲ ኣብ ቅድሚ ኩነታት ዝተመስረተ ዋጋ እንተመሊኦም ዘቅረብዎ ዋጋ ተቀባልነት የብሉን

11 ተጫረቲ ዘእትዉዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ናይ ስልሒትን ድምርን ጌጋ እንተሃልዩ ናብ ዉድድር ኣይቀርብን

12 ሰዓረ ተጫረቲ ምስዓሮም ካብ ዝተነገሮም ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 2ተ መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስሩን እቲ ንብረት ኣብ ዉሽጢ 30 መዓልቲ ሰፊዩም ከቅርቡ ይግባእ እዙይ እንተዘይኮይኑ ድማ ንመከበሪ ጨረታ ዘትሐዞዎ ስፒኦ ንትካል ኣታዊ ኮይኑ ትካል ካሊእ መማረፂ ይወስዱ

13 ናይዚ ጨረታ ሰዓራይ ዉዕሊ መከበሪ ( performance Guarantee )ናይ ጠቅላላ ዋጋ 10 % ንክልተ ወርሒ ዝፀንሕ ብCPO ከትሕዙ ይግባእ

14 ትካልና እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስረዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ስልኪ ቁፅሪ 0914708567 / 0914754176

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo