ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ንሽቃቀ መፀገኒ ዝዉዕል መሳርሒ ህንፃ ክገዝእ ስለዝደለየ ክትወዳደሩ እትደልዩ ሕጋዊያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ይዕድም

ቢሮ ሐለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ

1 ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎም

2 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ማለት እዉን ቲን ናምበር ወረቀት ምስክር ከቅርብ ዝክእል

3 ዝተሐደሰ ወረቀት መቅረባይነት ምስክር ከቅርብ ዝክእል

4 ተወሰክቲ እሴት ታክስ ዝተመዝገብክምሉን ናይ ዝሐለፈ ሰለስተ ሒሳብ ዘፍለጥክመሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

5 መክበሪ ጨረታ ብስፒኦ 20000 / ዒስራ ሽሕ / ከትሕዙ ዝክእሉ

6 ሰነድ ጨረታ ፋይናንሻል ዋናን ቅዳሕን ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ንኡስ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ቢሮ ቁፅሪ 42 ኣብ ስራሕ ሰዓት ምእታዉ ትክእሉ

7 እቲ ጨረታ ካብ 29 የካቲት 2016 ዓም ጀሚሩ ን 10 መዓልቲ ኣብ አየር ዝፅንሕ እንትከዉን 9 መጋቢት 2016 ዓም ቅድሚ ቀትሪ ሰዓት 3:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 3:30 ይክፈት

8 ተወዳዳሪ ትካል ብዝተዉሃቦ ዝርዝር መዓቀኒታት ማለት እዉን እስፔስፊኬሽን መሰረት መወዳደሪ ትክክለኛ ዋጋ ከቅርብ ይግባእ

9 ኣብ መወዳደሪ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ታክስ ማለት እዉነ ቫት ከይሓወሰ ዘቅረበ ተጫራታየ ተወሳኪ አሴት ታክስ ማለት እዉን ቫት ከምዝሓወሰ ይዉሰድ

10 ተጫራታይ ብረቆሒ መሰረት ሲዒሩ ኦርደር ካብ ዝተዉሃበሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ዉዕሊ ይኣስር

11 ሰዓራይ ትካል ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ መፅዓንን መራገፍን ሓዊሱ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ንብረት አታዊ ይገብር

12 ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ክፍሊ ዕደጋ ቢሮ ቁፅሪ 42 ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ትክእሉ

 14 እቲ ቢሮ ኣድላይ ኮይኑ እንተረኪብዎ ኣብቲ ጨረታ 20 ሚእታዊ ክዉስክ ወይድማ ክንኪ ይክእል እዩ

15ኩሎም ስምምዕነት ጨረታና ብስርዓት መምርሒ ዕደጋ ክልልና ኣዋጅ ቁፅሪ 255/ 2007 መምርሒ ዕደጋ 04/2007 ተፈፃሚ ይከዉን

16 እቲ ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0344404715  

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo