ኣብ ወረዳ ኣድያቦ ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲሃገራይ ብናይ ቤት መዘጋጃ በጀት ዝክፈል ዝተፈላለዩ ከይዲ ስራሕ ንመሰረተ ልምዓተ ከተማ አገልግሎት ዝዉዕሉ ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ : ኣቅሑት ቢሮ ማለት አዉን ፈርኒቸት : ቶታለ ስቴሽን : መሳርሒ ፅሕፈት : ናይ ደገ መብራህቲ ማለት አዉን ፓዉዛ : ኣቅሑት ፅሬት : ዕጥቂ ስፖርትን ዝተፈላለዩ ናዉቲታትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲሃገራይ

1 ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ : ኣቅሑት ቢሮ ማለት አዉን ፈርኒቸት : ቶታለ ስቴሽን : መሳርሒ ፅሕፈት :  ኣቀሑት ፅሬትን  :   ናይ ዕጥቂ ስፖርትን ፍቃድ ንግዲ ዘለዎም ናይ 2016 ዓም ፍቃድ ንግዲ ዝሐደሱ  : ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮኑን መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉን ከምእዉን ናይ ወርሒ ታሕሳስ ተወሳኪ እሴት ታክስ ሒሳብ ዘወራረድሉ ዝገበረሉ ማለት አዉን ድክለሬሽን ዝገበረሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ

2 መረዳእታ መለለይ ቍፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ማለት አዉን ቲን ናምበር ዘለዎ ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ከቅርቡ ዝክእሉ

3 ኣብ ፖስታ ዝዕሸግ ናይ ኩሉ ቅዳሕ ማለት እዉን ዝተሐደሰ ፈቃድ ንግዲ ወረቀት ምስክር ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት መረዳእታ መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ማለት አዉን ቲን ናምበር መረዳአታ ናይ ወርሒ ታሕሳስ ተወሳኪ እሴት ታክስ ሒሳብ ዝገበርሉ ማለት አዉን ዲክላሬሽን ዝገበረሉ መረዳአታ ሰነድ ጨረታ ዝተማለአሉ ቅጥዕን ማህተምን ዝዓረፈሉን ብግልፂ ዝረአን ክከዉን  አለዎ

4 ከይዲ ጨረታ ብዘይኣግባብ ንምዝባዕ ምፍታን ብሕጊ ዝሐትትን ጨረታ ከይሳተፍ ክሳብ ምእጋድ ስጉምቲ ዘስዕብ ምካኑ ምፍላጥ የድሊ

5 ተጫረቲ ዋጋ እንትመልኡ ናይ ሐደ ዋጋን ጠቅላላ ዋጋን አፈላላይ ክህሉ የብሉን አፈላላይ እንትህሉ ናይ ሐደ ዋጋ ጥራሕ ተቀባልነት ይህልዎ

6 ተጫረቲ ዋጋ እንትመልኡ ስርዝ ድልዝ ወይድማ ድምሳስ ክህሉ የብሉን ስርዝ ድልዝ ወይድማ ድምሳስ እንተጋጥም ባራፍ ክገብረሉ አለዎም ዝተጋነነ ስርዝ ድልዝ ዘለዎ ሰነድ ዉድቂ ይከዉን

7 ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ መከበሪ ጨረታ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ከትሕዙ አለዎም

8 ሰነድ ጨረታ ካብ 25/6/2016 ዓም ክሳብ 6/7/2016 ዓም ኣብ ዘሎ ግዘ ካብ ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲ ሃገራይ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን እናመፁ ሐደ ሚኢቲ ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይክእሉ

9 ሰዓራይ መቅረባይ ዝፍለጠሉ ንዝምልከቶ ኣካል ብመሰረት ዝርዝር መዓቀኒታት ማለት አዉን እስፐስፊኬሽን ኮይኑ ዝተሐተ ዋጋ ካብ ዝመለአ መቅረባይ እዩ

10 እቲ ጨረታ 6/7/2016 ዓም ልክዕ ሰዓት 4:00 ቅድሚ ሰዓተ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4:30 ኣብ ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲ ሃገራይ ይክፈት

11 ተጫራታይ ሰዓራይ ተባሂሉ ፋይናንሻሉ ዉፅኢት ብስርዑ ካብ ዝተጠፈሉ ዕለት ድሕሪ ሰለሰተ ናይ ቅሬታ መዓልቲ ዉዕሊ ዝአስር ከከዉን አለዎ

12 ከምእዉን ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ብዉዕሉ መሰረት ከረክብ ዝክእልን ካብ ጠቅላላ ዝሰዓሮ 10 ሚእታዊ መከበሪ ዉዕሊ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ወይ ጥረ ገንዘብ ከትሕዝ አለዎ

13 ዝሰዓረ ተወዳደራይ ብናይ ባዕሉ ናይ መጎዓዝያ ወፃኢ ናብ ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲሃገራይ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን አታዊ ይገብር

14 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0914101150  /  0914378707

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo