ቢሮ ቴክኒክን ሙያን ትምህርትን ስልጠናን ስራሕ ዕድል ፈጠራን ክልል ትግራይ ናይ መኪና ስፔር መኪና ብፕሮፎርማ አወዳድርካ ክንገዝእ ንደሊ ።

ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ክልል ትግራይ

ምልክታ ፕሮፎርማ ቁፅሪ 7/2016 ናይ ስፔር ግዚኢት ይምልከት

ቢሮ ቴክኒክን ሙያን ትምህርትን ስልጠናን ስራሕ ዕድል ፈጠራን ክልል ትግራይ ናይ መኪና ስፔር መኪና ብፕሮፎርማ አወዳድርካ ክንገዝእ ንደሊ ። ስለዚ ኣብዚ ፕሮፎርማ ጨረታ ክትወዳደሩ እትኽእሉ ዝምልከተኩም ሕጋውያን ነጋዶ በቲ ኣብ ታሕቲ ዝተገለፀ ረቛሒ መሰረት ንክትወዳደሩ ብክብሪ ንዕድም፦

1. ናይ 2015/6 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም

2. ናይ ግብሪ ከፋላይነት ቲን ከምኡ ውን ዝተሓደሰ መቅረባይነት ናይ 2016 ዓ/ም ከቅርብ ዝክእል ይኸውን

3. ናይዚ ፕሮፎርማ ጨረታ ሰዓርቲ እንተኾይንኩም ካብ ዝተገለፀልኩም እዋን ጀሚርኩም ኣብ ውሽጢ ዝተወሃበኩም መዓልቲ ኣብ ስራሕ ክተቅርቡን ።

4. ነጋዶ ናይ መወዳደሪ ደኩሜንትኹም ናይቲ ዋጋ መምልኢ ቅጥዒን ናይ ትካልኩም ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ኮይኑ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ዝተዓሸገ ፖስታ ንቢሮ ቴክኒክን ሙያን ትምህርትን ስልጠናን ስራሕ ዕድል ፈጠራን ክልል ትግራይ ዳይርክትሮት ዕደጋ፣ፋይናንስን ንብረት ምም/ርን ቢሮ ቁፅሪ 333 ካብ 22/05/2016 ዓ/ም ክሳብ 26/06/2016 ዓ/ም ክሳበ ሰዓት 11፡30 ኣብ ዘሎ ግዜ ዋጋ መሊኢኩም ክተቕርቡ እትኽእሉን ብድሕሪኡ ዝመፅኣ ፖስታ ዘይንቅበል ምዃና ንሕብር ።

5. ፕሮፎርማ ዝክፈተሉ ዕለት ቀፂሉ ይክፈት ናይ ስራሕ መዓልቲ 23/06/2016 ዓ/ም ሰዓት 3፣30 ናይ ንጉሆ ይከውን

6. ናይቲ ዝሰዓርኩምዎ ንብረትዋጋ ልዕሊ 20000.00/ዒስራ ሽሕ ብር/እንተኾይኑ ሻት ዝተመዝገብኩም ሻት 7.5 % ኣብቲ ቢሮ ተቖሪፁ ዝተርፍ ምዃኑ ክፈልጥ ይግባእ ።

7. ተወዳደርቲ ዘቕረብዎ መወዳደሪ ደኩሜንት ከም ውዕሊ ኮይኑ ከምዘገልግልን ኮይኑ ሰዓራይ ምዃንኩም/ን ምስተ ፈለጠን ደብዳቤ ምስ በፅሓኩም ኣየቅርብን ምባል ተቀባልነት የብሉን እ "

8. ቢሮና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ኮነ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ ።

9. ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 034-4403447 ደዊሎም ክሓቱ ይኽእሉ ።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo