ንበዓል መዚ ሐለዋ ከባቢን ለዉጢ ነባሪ አየርን ክልል ትግራይ ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ዳታቤዝ ማናጅመንት ሶፍትዌር በቲ ቀሪቡ ዘሎ ዝርዝር ማለት እወየን ስፐስፊኬሽን ኣብ ዉሸጢ ሰለስተ አዋርሕ አታአታቲዉ ዝዉዳእ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ግልጋሎት ክረክብ ይደሊ

ኤጀንሲ ሓለዋ ስነ-ከባቢ ምምሕዳርን ኣጠቓቅማን መሬት ትግራይ


1 ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ፈቃድ ንግዲ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ከቅርቡ አለዎም : ኢሉዉን መለለይ ቁፅሪ ግበሪ ከፋሊ ግብር : ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገበሉ መረዳእታ እዉን ከቅርቡ አለዎም

2 ሰነድ ጨረታ ዝተዳለወ ካብ 19/6/2016 ዓም መከበሪ ጨረታ 2,000.00 / ክልተ ሽሕ ቅርሺ / ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ካብ 19/6/2016 ዓም ምዉሳድ ይከኣል

3 ሳነዱቅ ጨረታ 20/6/2016 ዓም ክሳብ 29/6/2016 ዓም ሰዓት 3:30 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ አየር ዝፀንሕ ኮይኑ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:00 ይዕፀዉ

4 በቲ ጨረታ ዝተስዓሩ መቅረብቲ ወይ እዉን ግልጋሎት ዉሃብቲ ጨረታ ኣናሊስስ ተፈሊጡ ውዕሊ ምስ ተኣሰረ ዘትሓዝዎ መከበሪ ጨረታ ይምለሰሎም

5 እቲ ቤት ዕዩ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

6 ተጫራታይ ዘቅርብዎ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝሐወሰ ወይ እዉን ዘይሐወሰ ምካኑ እንተዘይኣማላኪቱ ተወሳኪ እሴት ታክስ ሓዊሱ ከምዝመለአ ይቁፀር

7 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሸጢ 15 መዓለቲታት ይከዉን

8 ተጫረቲ ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ነንበይኑ ቴክኒካልን ፋይናንሻልን ዋናን ቅዳሕን ብምባል ነንበይኑ ብምግባር ከቅርቡ አለዎም

9 ቴክኒካል ካብ ሚኢቲ/100/ ዝሕሰብ ኮይኑ ሰማኒያ /80/ ልዐሊ ሰማኒያን ናይ ዘምፁ /80/ ቴክኒካል ዝሐለፉ ይኮኑ ብመሰረት ቴክኒካል ናይ ዝሐለፉ ጥራይ ፋይናንሻል ዝክፈት ኮይኑ ፋይናንሻል ድማ ዝተሐተተ ዘቅረበ ዋጋ ሰዓራይ ይከዉን

10 ናይ ቫት ድመማኣብ ቤት ፅሕፈትና ነትርፍ ምኮና ንገልፅ

11 ቅደሚ ክፍሊ ኣይፍቀድን

12 ጠቅላላ ክፍሊት ድማ በቲ ዝወፀ ዝርዝር መሰረት አታዊ ከምዝገበረ ወይ እዉን ወዲኦ አሎ ዝብል ብበዓል ሞያ ትካላት ምስተረጋገፀ ክፍሊ ይፍፀም

13 ሰዓርቲ ተጫረቲ ናይ ዝሰርዎ ንብረት 10 ሚእታዊ ዉዕሊ መከበሪ ብስፒኦ መልክዕ ከትሕዙ አለዎም

14 ተጫረቲ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ በቲ ዝተጠቀሰ ዕለትን ሰዓትን ይክፈት

15 ኣብ እዋን ጨረታ ምክፋት ተጫራታይ እንተዘይተረኪቡ ካብ ምክፋት ዝዓግተ ነገር የለን

16 ከይዲ ጨረታ በዘይኣገባብ ንምዝባዕ ምፍታን ብሕጊ ዘሕትትን ኣብ ዝኮነ ጨረታ ንከይሳተፉ ክሳብ ምእጋድ ዘብፅሕ ስጉምቲ ዘስዕብ ምኮኑ እዉን ተጫረቲ ክፈልጡ አለዎም

ንዝበለፀ ሐበሬታ ድማ እንዳማሪም ብጉስ ህንፃ ቀደማይ ደብሪ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo