ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ንሴክተር ኣብያት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕል ኤሌከትሮኒክስ ብጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ቃፍታ ሑመራ

1 ናይዚ ዘበን ዝተሐደሰ ፍቃድ ስራሕ: ናይ ግብሪ ከፋላይነት መለለይ ቁፅሪ: ናይ መቅረባይነት መረዳእታ: ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብሉ መረዳእታ : ናይ ወርሒ ሕዳር ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ

2 መከበሪ ጨረታ አብ ሰነድ ጨረታ ብዝተሐተተ መሰረት ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ማለት እዉን ስፒኦ ብጥረ ገንዘብ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ብቤት ፅሕፈት ልመዓት አቶት ምምሕዳር ፋይናንስ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ሽም ከትሕዙ ዝክእሉ

3 ሰነድ ጨረታ እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ሰዓት ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይከኣል

4 ጨረታ ኣብ አየር ዝፀንሐሉ ካብ 15/6/2016 ዓም ክሳብ 24/6/2016 ዓም ይከዉን

5 ሰነድ ጨረታ 25/6/2016 ዓም ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት ሰዓት 4:00 ይክፈት

6 ተጫረቲ ኣብ ነብሰ ወከፈ ሰነድ ጨረታ ናይቲ ትካል ማህተምን ናይ ዝምልከቶ ኣካል ፊርማን ከዕርፍሉ ይግባእ

7 ብተወሳኪ ኣብ ምልክታ ጨረታ ሰነድ ጨረታ ብዝወፁ መምርሒታት ተገዛኢ ይከዉን

8 ሰነድ ጨረታ ዋና ኩሉ መረዳእታ ዝሐዘ ኣብ ሐደ ፖስታ ተዓሺጉ ይቀርብ

ንዝበለፀ ሐበሬታ 0988274741 / 0914740697

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo