ኩባንያና መስፍን ኢንዳስትሪያል ኢንጂነሪንግ ሓላ/ዝተ/ው/ማሕበር ( ኤሌክትሪካል ሳብመርሲብል ፓምፕ (SUBMERSIBLE PUMP) ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ንክዕድግ ስለ ዝደለየ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ መዓቀኒታት ተማልኡ ተወዳደርቲ ክትሳተፉ ኩባንያና ይዕድም ::

መስፍን ኢንዱስትሪያል ኢንጂነሪንግ

ምልክታ ጨረታ

ኩባንያና መስፍን ኢንዳስትሪያል ኢንጂነሪንግ ሓላ/ዝተ/ው/ማሕበር ( ኤሌክትሪካል ሳብመርሲብል ፓምፕ (SUBMERSIBLE PUMP) ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ንክዕድግ ስለ ዝደለየ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ መዓቀኒታት ተማልኡ ተወዳደርቲ ክትሳተፉ ኩባንያና ይዕድም ::

ተ/ቁዓይነት ንብረትመዐቀኒበዝሒናይ ሓደ ዋጋ ምስ ቫትጠቅላላ ዋጋ ምስ ሻትመብርሂ
1Complete set of Electrical Submersible Pump ( 20 ገፅ
ኣሎ)
set1ምስዚ ዝተተሓሓዘ ስፔሲፊኬሽን

ናይ ጨረታ ረቛሒን ኩነታትን

1. ናይ'ዚ ጨረታ ተሳታፊ ናይ 2015/ 2016 ዓ.ም በቲ ዘርፊ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፈቓድ ከቅርብ ዝኽእል ክኾውን ኣሎዎ።

2. ተጫረቲ ዝተሓደሰ ንግድ ፍቓድ፤ ግብሪ ከፋሊ ምዝገባ ምስክር ወረቐትን ተጨማሪ እሴት ታክስ ሰነዳት ዝምለስ ኦርጂናልን ዘይምለስ ፎቶ ኮፒ ብምሓዝ ንጨረታ ሰነድ መዕደጊ 200 ብር አብ ትካልና ፋይናንስ መምርሒ አታዊ ብምግባር ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 14/02/2024 ዓ.ም.ፈ ክሳብ 27/02/2024 ዓ.ም.ፈ ሰዓት 4:00 ኣብ ስራሕ ሰዓት(ካብ ሶኒ ክሳብ ዓርቢ ካብ ሳዓት ንጉሆ 2:00 -11:00 ድ/ሳዓት) አብ ዘሎ ግዜ አብ ዋና ቤት ዕሕፈት መቐለ ካብ ኮርፖሬት ዕደጋ መምርሒ ክወስዱ ይኽእሉ።

3. ተጫረቲ ዝተሓደሰ ንግድ ፈቓድን፣ግብሪ ከፋሊ ምዝገባ ምስክር ወረቀትን ተጨማሪ እሴት ታክስ ሰነዳት ዝምለስ ኦርጅናልን ዘይምለስ ፎቶ ኮፒ ብምትሕሓዝ ናይቲ ፓምፕ ዋጋ ብምንፃር ብዝተዓሸገ ፖስታ ዋጋኦም ካብ ዕለት 14/02/2024 ዓ.ም.ፈ ክሳብ 28/02/2024 ዓ.ም.ፈ ሰዓት 4:00 ኣብ ስራሕ ሰዓት ናብ ዋና ቤት ፅሕፈት እናቐረቡ ነዚ ጨረታ ናብ ዝተዳለወ ሳንድቕ ከእትዉ ይግባእ፡፡

4. ተጫረቲ ናይ ጨረታ መኽበሪ ብሲፒኦ(CPO) ብር 100,000.00(ሚኢቲ ሺሕ ብር ) ምስ ጨረታ ዶክመንት አተሓሒዞም ከእትዉ ይግባእ፡፡ ቴክኒካልን ፋይናንሻልን ሰነድ ነንበይኑ ክዕሸግ ከምእዉን ጨረታ መኽበሪ(ሲፒኦ) አብ ቴክኒካል ሰነድ ዉሽጢ ከእትዉ ይግባእ፡፡

5. በቲ ዝቐረበ ቴክኒካል ረቛሒ መሰረት እቲ ዝድለ ዘማለኡ/ብቴክኒካል መመዘኒ ረቛሒ ዘማለኡ ተጫረቲ ናብ ፋይናንሻል ይሓልፉ። ብቴክኒክ ምዘና ዝሓለፈን ዝተሓተ ዋጋ ዘቕረበን ተጫራታይ

6. ጨረታ ዕለት 28/02/2024 ዓ.ም.ፈ ሰዓት 4:00 ንጉሆ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ድሌት ዘለዎም ተጫረቲ ወይም ወከልቶም ኣብ ዘለውዎ ይኽፈት (ዕለት 28/02/2024 ዓ.ም.ፈ በዓል እንተኾይኑ ቐፂሉ ዘሎ ማዓልቲ ዕለት 29/02/2024 ዓ.ም.ፈ ሰዓት 4:00 ንጉሆ ተዓዕዩ ሰዓት 4:30 ይኸፈት)፤ ናይ ጨረታ ዶክመንት እንተተማሊኡ ተጫረቲ ኣብ ዘየለዉሉ እዉን ዝኸፈት ይኸዉን።

7. ተጫረቲ ኣብ ናይ ካሊእ ተጫራታይ ዋጋ ተደሪኾም ዋጋ ምእታው ኣይካኣልን፤ ጨረታ ዶክመንት ማህተምን ፊርማን ናይ ተጫራታይ ክዓርፎ ኣለዎ። ኣብ ጨረታ ሳንዱቕ ዝኣተወ ፖስታ ብምለሱለይ ብምንም መልክዑ ክምልስ ኣይከኣልን።

8. ተጫረቲ ዘቕረብዎ ዋጋ ኩነታት ቫት ዝሓወሰ ወይ ዘይሓወሰ ምዃኑ ክጠቕሱ ይግባእ፡፡ እንተዘይተጠቒሱ ግና እቲ ዘቕረብዎ ዋጋ ቫት ከምዝሓወሰ ተገይሩ ይሕሰብ፡፡

9. ተጫረቲ እቲ ዘቕረብዎ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ግዜ (Price Validity) ብግልፂ ከቐምጡ ይግባእ።

10. ተጫረቲ ኣብ ቕድመ ኩነታት ዝተመስረተ ዋጋ እንተመሊኦም ዘቕረብዎ ዋጋ ተቐባልነት የብሉን።

11. ተጫረቲ በቲ ዝቐረበ ናይ ዋጋ መምልኢ ሰነድ መሰረት ዋጋኦም ክመልኡ ኣለዎም፡፡

12. ተጫረቲ ዘእትውዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ፣ ናይ ስልሒትን ድምርን ጌጋ እንተሃልዩ ናብ ውድድር ኣይቐርብን።

13. ሰዓሪ ተጫራቲ ምስዓሮም ምስ ተነገሮም ኣብ ዉሽጢ 2ተ መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስሩን እቲ ንብረት አብ ዉሽጢ 20 መዓልቲ ክቅርብ ይግባእ፤ እንተዘይክኢሎም ግና ንመክበሪ ጨረታ ዘትሐዞዎ ሲፒኦ ንትካል ኣታዊ ኮይኑ ትካል ካሊእ መማረፂ ይወሰድ፡፡

14. ናይዚ ጨረታ ሰዓራይ ናይ ዉዕሊ መኽበሪ (Performance Guarantee) ንክልተ ወርሒ ዝፀንሕ ናይ ጠቕላላ ዋጋ 10% ባንክ ጋራንቲ (Unconditional Bank Guarantee) ወይም CPO ከትሕዙ ይግባእ ።

15. ትካልና እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

ንዝበለፀ ሓበሬታ

ናብ ዋና ቢሮና ብኣካል ብምምፃእ ሓበሬታ ክረኽቡ ይክእሉ ወይም ብ ስ.ቁ 0914708567/0914707289 ክድዉሉ ይኸእሉ

መስፍን ኢንዳስትሪያል ኢንጂነሪንግ ሓላ/ዝተ/ው/ትካል (IE)

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo