ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ሎሚዘበን ንዝበዓል በዓል ዓወት ኩናት ዓድዋ ብድምቀት ንምብዓል ነቲ በዓል ዝኸውን ስቴጅ /መድረኸ/ን ዝተፈላለዩ ኣቁሑታትን ስለዝደለየ በዚ ስራሕ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም ተወዳደርቲ ክትወዳደሩ ይዕድም፡፡

ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ሎሚዘበን ንዝበዓል በዓል ዓወት ኩናት ዓድዋ ብድምቀት ንምብዓል ነቲ በዓል ዝኸውን ስቴጅ /መድረኸ/ን ዝተፈላለዩ ኣቁሑታትን ስለዝደለየ በዚ ስራሕ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም ተወዳደርቲ ክትወዳደሩ ይዕድም፡፡

ተወዳደርቲ ከማልእዎ ዝግባእ

1. ናይ2016 ግብሪ ዝኸፈሉን ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድን፣ ናይ መቕረባይ መፍለይ ቁፅሪ /Tin number/፣ VAT ተመዝጋቢ ዝኾነ ፣ናይ መቕረባይ ምስክር ወረቐት መረጋገፂ ዘቕርብ።

2. በዚ መሰረት ዝተዳለወ ስፐስፊኬሽን ካብ ቢሮና ክፍሊ ዕደጋ ቢሮ ቁፅሪ 110 ካብ ዕለት 08/06/2016  ዓ.ም ጀሚሩ ብር 50.00 /ሃምሳ ቅርሺ/ ብምኽፋል ምውሳድ ይካኣል።

3. ናይ ጨረታ መኽበሪ ብር 5000 /ሓሙሽተ ሺሕ ብር/ ብሲፒኦ / CP0/ ወይ ብስርቲፋይድ ቼክ ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝኽእል /ትኽእል/

4. እቲ ጨረታ ዕለት 08/06/2016 ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 18 /06/2016 ስዓት 3፡00 ይዕፀዉ። ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 3፡30 አብ ቅድሚት ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላቶም አብ ዘለዉዎ አብ ቢሮ ቁፅሪ 109 ይኸፈት ፡፡

5. ነቲ ስራሕ ኣብ ውሽጢ 2 ተኸታተልቲ መዓልቲ ሰሪሑ ከረክብ ዝክእል።

6. ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺ ብሙሉእን ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

7. ተጫረቲ ሰነድኹም ንጨረታ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ንኸተእትዉ ንሕብር።

8. ኣድራሻና ከባቢ ጥዕና ጣብያ መቐለ ፊትንፊት ፎቶደስታ ዝርከብ ህንፃ ኣብርሃም ደስታ

ቀደማይ ደብሪ እዩ፡፡

9. ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 09-14-76-94-50 ደዊልካ መብርሂ ምሕታት ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo