ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ሎሚዘበን ንዝበዓል በዓል ዓወት ኩናት ዓድዋ ብድምቀት ንምብዓል ነቲ በዓል ብቪድዮን ብፎቶግራፍን ክስንድ ስለዝደለየ በዚ ስራሕ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም ተወዳደርቲ ክትወዳደሩ ይዕድም፡፡

ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ

ምልክታ ፕሮፎርማ

ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ሎሚዘበን ንዝበዓል በዓል ዓወት ኩናት ዓድዋ ብድምቀት ንምብዓል ነቲ በዓል ብቪድዮን ብፎቶግራፍን ክስንድ ስለዝደለየ በዚ ስራሕ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም ተወዳደርቲ ክትወዳደሩ ይዕድም፡፡

ተወዳደርቲ ከማልእዎ ዝግባእ

1. ናይ 2016 ግብሪ ዝኸፈሉን ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፣ ናይ መቕረባይ መፍለይ ቁፅሪ /Tin number/ን፣ ናይ መቕረባይ ምስክር ወረቐት መረጋገፂን ዘቕርብ፡፡

2. በዚ መሰረት ዝተዳለወ ዝርዝር ካብ ዕለት 09/06/2016 ዓ.ም ጀሚሩ እናመፃእኹም ካብ ቢሮ ቁፅሪ 110 ምውሳድ ይካኣል።

3. ፕሮፎርማ ዝቐርበሉ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 13/06/2016 ስዓት 03፡00 ሰዓት ናይ ንጉሆ ኣታዊ ኾይኑ ይዕሽግ፡፡

4. ፕሮፎርማ ዝኽፈተሉ ዕለት 13/06/2016 ስዓት 03፡30 ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 109 ይኸውን፡፡

5. እዚ ፕሮፎርማ ኣብ መንጎ ግዝኢት ፈፃሚ ኣካልን መቕረባይን ከም ውዕሊ ኮይኑ የገልግል።

6. ነቲ ስራሕ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ሰሪሑ ከረክብ ዝኽእል።

7. ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

8. ተጫረቲ ሰነድኹም ንጨረታ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ንክተእትዉ ንሕብር።

9. ኣድራሻና ከባቢ ጥዕና ጣብያ መቐለ ፊትንፊት ፎቶደስታ ዝርከብ ህንፃ ኣብርሃም ደስታ ቀደማይ ደብሪ እዩ፡፡

10. ተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 09-14-76-94-50 ደዊልካ መብርሂ ምሕታት ይከኣል፡፡

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo