ኣይኪዉ ስፋት ቴክኒካል ኮሌጅ ንምምሃር ምስትምሃር ዝጥቀመሎም ዝነበረ ዝተፈላለዩ ኣቅሑት (Different Materials) ናይ ኤሌክትሪክ : ኮንስትራክሽን : ኤሌክትሪካል ኢንስታሌሽን :ኣይሲቲ :ኣካዉንቲንግን ድፓርትሜንታት ዝጥቀመሎም ዝነበረ ኣቅሑት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክሸይጥ ይደሊ

ኣይኪዉ ስፋት ቴክኒካል ኮሌጅ

1 ተጫራታይ ዝደለዩ ዓይነት ንብረት ብንፅል ወይ ብጅምላ ክወዳደር ይክእለ እዩ

2 ኣብቲ ጨረታ ዝሰዓረ ምካኑ ምስተነገሮ ኣብ ዉሽጢ ክለተ መዓልቲ ዘሸነፈሉ ዋጋ ሙሉእ ክፍሊት ክፍፅምን ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልታት ድማ ብናይ ባዕሉ መገዓዝያ ዝሰዓሮ ንብረት ክወስድ አለዎ

3 ካብ ዕለት 8/6/2016 ዓም ክሰብ 13/6/2016 ዓም ሰዓት 8:00 ቐትሪ ኣብ ኣይኪዉ ስፋት ቴክኒካል ኮሊጅ ብኣካል እናቀረበኩም ዘይመለስ ብር 50 ብምክፋል ኩሉ ገዘ ኣብ ሰራሕ ሰዓት ቅደሚ ሰዓተ 2፡30 ክሳብ 6፡00 ድሐሪ ሰዓተ ድማ ካብ 8፡00 – 11፡00 ሰነድ ጨረታ ገዚእኩም ምዉሳድ ትክእሉ

4 ዝትወዳደርሉ ዋጋ መሊእኩም ከምእዉን ዝወሰድክምዎ በዓል 7 ገፅ ሰነድ ጨረታ ኣብ ሕድድሕ ገፅ ናይ ተጫረቲ ፊርማን ማህተምን ብምግባር ብምትሕሓዝን ኣብ ዝተዓሸገ ፖስታ ኣይኪዉ ስፋት ቴክኒካል ኮሌጅ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ከተእትዉ ትክእሉ

5 ጨረታ ዕለት 13/6/2016 ዓም ሰዓት 8፡00 ተዓፀዩ ዕለት 13/6/2016 ዓም ድሕሪ ፋዱስ ሰዓት 8፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከበሉ ኣብ ኣይኪዉ ስፋት ቴክኒካል ኮሌጅ ይክፈት

6 ተጫረቲ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ ጨረታ መከበሪ ብሕጋዊ ስፒኢ ወይድማ ብጥረ ገንዘብ 10000 /ዓሰረተ ሽሕ/ ከትሕዝ ይግባእ እቲ ድምር ዋጋ ጨረታ ክልተ ካብኡ ንላዕሊን ተጫረቲ እንድሕር ማዕረ ዋጋ መሊኦም / ማዕረ እንተ ኣምፂኦም / ሽዑ ንሽዑ ዳግም ክወዳደሩ ይግበር ሐዚእዉን ማዕረ እንተወፂኦም ድማ ብዕፃ ይፍለዩ

7 ናይ ዋጋ መምልኢ ቅጥዒ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ ኣይግባእን

8 ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0911548241 / 0929262292

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo