ማእኽል ተሃድሶ ሰራዊት ትግራይ መለስ ካምፓስ ንውጉኣት ተጋደልቲ ንምግብነት ዝውዕል ብግልጺ - ጨረታ አጫሪቱ ክዕድግ ይደሊ።

መለስ ማእኸል ተሃድሶ ሰራዊት ትግራይ

ምልክታ ግልፂ ጨረታ ውጺኢት ባልትናን

ማእኽል ተሃድሶ ሰራዊት ትግራይ መለስ ካምፓስ ንውጉኣት ተጋደልቲ ንምግብነት ዝውዕል ብግልጺ - ጨረታ አጫሪቱ ክዕድግ ይደሊ። በዚ መሰረት እዞም ዝስዕቡ ረቛሒታት እተማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ክትሳተፉ

ይዕድም።

1) ተጫረቲ ንሕና(ማ/ተ/ሰ/ትግራይ መለስ ካምፓስ) ዝመረጽናዮ ሳምፕል መሰረት ክቅርቡ ይግባእ።

2) ተጫረቲ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድን(ቲን ናምበር) ናይ ኣቅራባይነት ፍቃድን ዘለዎምን ኣድላዪ ዶክሜንትን ምስቲ ሰነድ ፎቶ ኮፒ ኣተሓሒዞም ከቕርቡ ይግባእ።

3) ተጫረቲ ኣብ ዘእተውዎ ሰነድ ብዘይ ስርዝ ድልዝ ንጹር ዋጋ መሊኦምን ፈሪሞምን ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ከቅርቡን ኣብ ኣመላልኣ ዋጋን ስፐስፊኬሽንን ንዝፈጠርዎ ጌጋ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ፈሊጥኹም ብጥንቃቄ ክትመልኡ ይግባእ ።

4) ተጫረቲ ብማ/ተ/ሰ ትግራይ መለስ ካምፓስ ብዝተዳለወ መምልኢ ዋጋ ኣብ ባዕሉ መሊእኹም ካብ ዕለት 06/06/2016 ዓ/ም ጀሚርኩም ክሳብ ዕለት 20/06 /2016 ዓ/ም ጨረታ ዝዕፀወሉ ግዜ ኣብ ዕደጋ ክፍሊ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ጨረታ ክተእትዉ ይግባእ።

5) ተጫረቲ ቴክኒካልን ፋይናንሻልን ስፐስፊኬሽን በቢ በይኑ ብፖስታ ዓሺጎም ከቕርቡ ይግባእ።

6) ተጫረቲ ዘቕረብዎ ዓይነት ግልጋሎት ብዝተኣዘዘ ግዘ ፣ መጠንን ፅሬትን መሰረት ክኸዉን ይግባእ።

7) እቲ ጨረታ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዘለውዎ ዕለት 20/06 /2016 ዓ/ም ቴክኒካል

ስፐስፊኬሽን ቅድሚ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ 4፡30 እንትኽፈት እቲ ፋይናንሻል ስፐስፊኬሽን ድማ 8:00 ሰዓት ይኽፈት።

8) ናይ ጨረታ መኽበሪ 50,000 (ሓምሳ ሽሕ) ቕርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ  CPO ጥራሕ ብማ/ተ/ሰ ትግራይ መለስ ካምፓስ ሽም ብዝተዓሸገ ፖስታ ከእትዉ ይግባእ።

9) ተጫረቲ ዝርዝር ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ 150(ሓደ ሚኢትን ሓምሳን) ቕርሺ ኣብ ናይ ትካልና

ፋይናንስ ብምኽፋል እቲ ሰነድ ካብ ዕደጋ ክፍሊ ክወስዱ ይግባእ።

10) ተጫረቲ ማህተም ዘለዎ ምሉእ ኣድራሽኦምን ስልኪ ቑፀሮምን ከቐምጡ ኣለዎም።

11) ተጫረቲ ናይ ቫት ተመዝጋቢ ሰርተፍከት ኮፒ ከተሓሕዙ ኣለዎም ተቕርብዎ ዋጋ ድማ ሻት ዝሓውስን ዘይሓውስን ምዃኑን ክግለፅ ኣለዎ።

12) ሰዓራይ ጨረታ ነቲ ዘሸነፎ ዓይነት ግልጋሎት ውዕሊ ኣሲሩ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ግልጋሎት ክጅምር ይግባእ።

13) ተጫረቲ ናይ 2016 ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ምስ ናይ 2015 ግብሪ ከም ዝከፈለ መራጋገጺ ሰነድ ኣታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል ክኮውን ኣለዎ።

14) ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብውሱን ወይ ከዓ ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልው እዩ።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo