ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክፍለ ከተማ ኩሓ ንዝተፈላለዩ ኣብያተ ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕሉ ፈርኒቸር : ኤሌክትሮኒክስ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ በዚ መሰረት ነዚ ዝስዕብ ሮቋሕታት እተማልኡ ተጫረቲ ክትወዳደሩ ይዕድም

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክፍለ ከተማ ኩሓ

1 ዝተሐደሰ ናይ 2008 ዓ/ም ንግዲ ፍቓድ መቕረባይነት ምዝገባ መለለይ ካርዲ ግብሪ ዝከፈለን መለለይ ግብሪ /ቁፅሪ ቲን ናምበር ኸቕርብ ዝኽእል

2 ጨረታ ምልክታ ካብ ዝውፀአሉ ዕለት 7/07/08 ዓ/ም ክሳብ 21 /07/2008 ዓ/ም ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ዝካአል ኮይኑ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝዕፀወሉ ዕለት 21 /07/2008 ሰዓት 3:30 ተዓሺጉ ብተመሳሳሊ ዕለት 21 /07/2008 ዓም ሰዓት 4:00 ተጫረቲ ወይከዓ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረከብሉ ይኽፈት

3 ተጫረቲ ናይ ጨረታ መኽበሪ ቢድ ቦንድ ናይ ፈርኒቸር : ኤሌክትሮኒክስ Â ብር 3000 /ሰለስተ ሽሕ /ብናይ ስፖኦ ባንኪ ዝተረጋገፀ ወይከዓ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል

4 ፈርኒቸር : ኤሌክትሮኒክስ ጨረታ ሰነድ መግዝኢ ብር 30.00

5 ፈርኒቸር ቫት ተመዝገብቲ ካልኦት ዝሓዉስን እነተኮን ኤሌክትሮኒክስ ግን ቫት ተመዝገብቲ ኮይኖምናይ ጥሪ ወርሒ VAT ዲክለር ዝገበረ

6 ተጫረቲ ዘድሊ ናይ ጨረታ ሰነድ ነንበይኑ ብምእሻግ ኦርጅናልን አብ ሓደ ፖስታ ኮፒ ኣብ ካሊእ ፖስታ ታዓሺጉ ኣብ ዝተዳለወ ሳፁን ምእታዉ ይካኣል

7 ተጫረቲ ወይ ከዓ ወኪላት ብዘይ ምቕራቦም ሰነ ስርዓት ምኽፋት ጨረታ ኣይተዓናቐፍን ወይ ከይተከፈተ ዝምለስ ሰነድ ጨረታ ኣይህሉን

8 ናይ ተጫረቲ ሽም ኣድራሻ ክታምን ማሕተምን ክዓርፎ አለዎ

9 ተጫረቲ ጨረታ ዝሰዓረ ምኻኑ በመአዘዚ ደብደቤ ዉዕሊ ዝአሰረሉ ብዝተወሃቦ ጊዜ ሕጋዊ ዉዕለ ክአስርን ናይ ዉዕሊ መኽበሪ 10% ብዝተረጋገፀ ስፒኦ ወይ ከዓ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ አለዎ

10 ቤት ፅሕፈትና ክሳብ 20% ናይ ምዉሳክን ምቕናስን መሰሉ ሕሉዉ እዩ

11 ኣብ ዘዳላናዩ ሰነድ ጨረታ ስፐስፊኬሽን መለክዒ ካልእ ዝኮነ ዓይነት መስተካከሊ ምግባር ተቀባልነት የብሉን

12 ትራነስፖርት ዝምልከት ባዕሉ ሰዓራይ ኣካል ዝሽፍን ኮይኑ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክፍሊ ከተማ ኩሓ ብዉዕል መሰረት ንብረቱ ኣታዊ ይገብር

13 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ ኣማራፂ እንተረኪቡ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉዉ እዩ

14 ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0942274781 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

Â

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo