ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይን ፈሳሲን ከተማ ሸራሮ ንዝተፈላለዩ ስራሕ መሳለጢ ዝዉዕል ሞተር ሳይክልት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ቀረብ ማይ መስተ ከተማ ሽራሮ

1 ናይ ሞተር ሳይክል ፍቃድ ዘለኩም

2 ናይ 2015 ዓም ግብሪ ዝከፈልኩም

3 ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ፈቃድ ንግዲ ክተቅርቡ እትክእሉ

4 ወረቀት ምስክር ተወሳኪ እሴት ታክስ ዘለኩምን ናይ ወርሒ ሕዳር 2016 ዓም ሒሳብ ዘቅረብምሉ መረዳእታ  ክተቅርቡ እትክእሉ

5 መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ዘለኵም

6 ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ክተቅርቡ እትክእሉ

7 ኣብ ፖስታ ዝዕሸግ ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ከምእዉን መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ብግልፂ ብዝርአ መልክዕ ክከዉን አለዎ

8 ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ መክበሪ ጨረታ ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ 5000 ቅርሺ ክተትሕዙ እትክእሉ

9 ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ተጫረቲ ካብ 6/6/2016 ዓም ክሳብ 20/6/2016 ዓም ኣበ ዘሎ ግዜ ካብ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይን ፈሳስን ከተማ ሸራሮ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን እናከድኩም ዘይምለስ 100 ቅርሺ እናከፈልኩም ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ትክእሉ ኢኩም

10 እቲ ጨረታ 20/6/2016 ዓም ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ በተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ቅድሚ ቀትሪ ይክፈት

11 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ቅዳሕ ብምግባር ዋናን ቅደሕን ተባሂሉ ነንበይኑ ኣብ ክልተ ፖስታ ተዓሺጉ ምልክት ብምግባር ክተቅርቡ አለኩም

12 ንዝበለፀ ሐበሬታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይን ፈሳስን ከተማ ሸራሮ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን 0914278106 / 0987270400

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo