ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ኣብ በጀት ዓመት 2016 ዓም ዝተፈላለዩ ኣቅሑት ማለት አዉን ኣቅሑት መሳርሒ ፅሕፈት: ሕትመት :ሃላቅትን ቀወምትን ኣቅሑት : ኣቅሑት መለዋወጢ ኤሌክትሮኒከስ: ኣቅሑት ፅሬት ብብርኪ ክልል ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ

1 በቲ ዘፍር ናይ ዘበኑ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዋንኡን ቅዳሕን ከቅርቡ ዝክእሉ

2 ወረቀት ምስክር መለለይ ከፋላይነት ግብሪ ማለት እዉን ቲን ናምበር ዋንኡን ቅዳሕን ከቅርቡ ዝክእሉ

3 ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ማለት አዉን ቫት ወረቀት ምስክር ከቅረቡ ዝክእሉ ከምእዉን ናይ 2016 ዓም ተወሳኪ አሴት ታክስ ሒሳብ ዝገበረሉ / ዲክላሬሽን/ ዋንኡን ቅዳሕን መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

4 በቲ ዘፈር ናይ መቅረባይነት ዝተመዝገቡ ዝኮኑን ናይ ዘበኑ ዝተሐደሰ መስክር ዋንኡን ቅዳሕን ከቅርቡ ዝክእሉ

5 ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ተጫራታይ ዝሰዓሮ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ናይ ስራሕ መዓልቲ ቀደምን ሰንበትን ካልኦት ባዕልን ሓዊሱ ኣብ ዉሽጢ 10 መዓለቲ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብቲ ቢሮ ክፍሊ መክዝን በቲ ዝተሐተተ ፅሬትን መጠንን ከቅርብ ዝክእል

6 መወዳደሪ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉን ናይ ትካል ሽምን ኣድራሻን ማህተምን ፊርማን ዘለዎ ክከዉን ይግባእ

7 ተጫረቲ ዉሕስና መከበሪ ጨረታ ንኣቅሑት ፅሕፈት ሕትመት መለዋወጢ ኣቅሑት ኤሌክትሮኒከስ ንነብስወከፎም 5000 ቅርሺ ንኣቅሑት ፅሬት ሃለቅትን ቀወምቲን ኣቅሑት ብድምር 5000 ቅርሺ ብድምር ብሽም ቢሮ ፍትሕ ክልል ትግራይ ብስፒኦ ወይድማ ብግዜ ዘይተገደበ ሰርቲፋይድ ቼክ ኣብ ባንኪ ዝተረጋገፀ ወይድማ ብጥረ ገንዘብ ናብ ዝተዳለወ ናይቲ ቢሮ ታሓዚ ገንዘብ እቲ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቲ ከቅርብ ዝክእል

8 ካብዚ ወፃኢ ዝቀረበ ጨረታ መከብሪ ገንዘብ ካብቲ ዝተሐተተ ናይ ገንዘብ መጠን ዝተሐተተ እንተ ኮይኑ ብዘይ ብንም ኩነታት ካብቲ ጨረታ ይስረዝ

9 እቲ ጨረታ ካብ 1/6/2016 ዓም ክሳብ 10/6/2016 ዓም ይሽየጥ

10 አቲ ጨረታ 10/6/2016 ዓም ልክዕ ሰዓት 8:00 ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ልክዕ ሰዓት 8:30 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ዳይሬክትሮት ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 317 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከበሉ ይክፈት

11 እቲ ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

12 እቲ ጨረታ ምስተከፈተ ናይ ዝገዛእ ንብረት መጠን ክሳብ 20 ሚእታዊ ክንኪ ወይ ክዉስክ ይክእል እዩ

13 ሰዓራይ እቲ ዘቅርቦ ንብረት ብባዕል ሞያ ተፈቲሹ ትክክላኛ ምካኑ ምስተረጋገፀ ጥራሕ ኣታዊ ይከዉን

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0344417348

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo