ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲጎዶም ዝተፈላለዩ ዓይነት ናይ ኤሌክትሪክ ኣቅሑት ማለት ናይ ደግ መብራህቲ ፉሎረሰንት ባዉዛ በዝሒ 100 ብብርኪ ክልል ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ አገልግሎት ክረክብ ይደሊ

ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲጎዶም

1 በቲ ዘፈር ናይዚ ዘበን ሕጋዊ ፈቃድ ንግዲ ከቅርቡ ዝክእሉ

2 ወረቀት መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ከቅርቡ ዝክእሉ

3 ንተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገቡ ኮይኖም ወረቀት ምስክር ምዝገባ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዘቅርቡ

4 ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2016 ዓም ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ

5 ዓመታዊ 2016 ዓም ዝከፈሉ ኣብ መቅረባይነት ዝተመዝገቡ ምኮኖም ሕጋዊ ምስክር ወረቀት ከቅርቡ ዝክእሉ

6 ተጫረቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መርሒ ጨረታ ሰነድ ጨረታን ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ንብረትን ምምሕዳር ፋይናንስን ቢሮ ቁፅሪ 5 ካብ 28/5/2016 ዓም ክሳብ 18/6/2016 ዓም ኣብ ዘሎ ግዘ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ብአካል ብምቅራብ ምዉሳድ ይክእሉ

7 ዝቀርብ መወዳደሪ ሰነድ ጨረታ ዋና ሐደ ቅዳሕን ነንብይኑ ብሽምዒ ዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ኮይኑ አብ ልዕሊኡ ናይ መቅረባይ ሙሉእሽም ናይቲ ትካል ኣድራሽ ስልኪ ቁፅሪ ናይምንታይ ዓይነት ጨረታ ምካኑን ናይቲ ቤት ዕዩ ሽም ክሕብር አለዎ

8 ተጫረቲ ዘትሓዝዎ መከበሪ ጨረታ ንኣቅሑት ኤሌክትሪክ 5000 ቅርሺ ብሽም ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲጉዶም ብጥረ ገንዝብ ወይ ብስፒኦ ናብ ዝተዳለወ ናይቲ ቤት ዕዩ ጨረታ ሳንዱቅ ወይድማ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ከቅረቡ ዝክእሉ

9 እቲ ጨረታ 19/6/2016 ዓም ልክዕ ሰዓት 3:30 ቅ/ሰዓት ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:00 ቅ/ ሰዓት ኣብ ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ንብረትን ምምሕዳር ፋይናንስን ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወክልቶም ኣብ ዘለዉሉ ዝክፈት ከይኑ ተጫረቲ ብዘይምርካቦም ምክፋት ጨረታ ኣይተኣጎጎልን

10 ተጫረቲ ዝመልእዎ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝሐወሰ ክከዉን አለዎ ተዘይኮይኑ ተወሳኪ አሴት ታክስ ከምዝሐወሰ ርዱእ ተገይሩ ይዉሰድ

11 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን 45 መዓልቲታት ይከዉን

12 እቲ ቤት ፅሕፈት እቲ ቤት መዘጋጃ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

13 ሰዓራይ ምስተፈለይ ካብ ዝሰዓሮ ጠቅላላ ዋጋ 10 ሚእታዊ ፕርፎርማንስ ቦንድ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ዉዕሊ መከበሪ ከቅርብ አለዎ

ንተወሳኪ ሐበሬታ  0934824000 0914701770  0919060170

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo