ቤት ማዛጋጃ ከተማ ኣጉላዕ ወ/ፅ/ወንበርታ 2016 ዓ/ም በጀት ዓመት ንትካሉ ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ኤልክትሮኒክስ ንብረት ማለት ውን ቶታል ስቴሽን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ ።

ቤት መዘጋጃ ከተማ ኣጉላዕ

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ቤት ማዛጋጃ ከተማ ኣጉላዕ ወ/ፅ/ወንበርታ 2016 ዓ/ም በጀት ዓመት ንትካሉ ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ኤልክትሮኒክስ ንብረት ማለት ውን ቶታል ስቴሽን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ ።ሰለዚ ካብዚ ንታሕቲ ዝተጠቐሱ ዝርዝር ረቋሕታት እተማልኡ ሕጋውያን መቅረብቲ /ተጫረቲ/ ንክትወዳደሩ ንዕድም ።

በዚ መሰረት ናይ ተጫረትቲ መምርሒ

➢ ተጫረቲ ናይ እትወዳደርሉ ዘርፊ ንግዲ ኣብ ፖሰታኩም ውሽጢ ናይ 2016 ዓ/ም ዝተሓዳሰ ንግዲ ሰራሕ ፍቓድኩምን ፤ መቅረባያይነትን ካርዲ ኮፒ ክተታሓሕዙ ግድን'ዩ።

➢ ተጫረቲ ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ካርዲ ወይ ቲን ናምበር ፣ ናይ ቫት ምስክር ወረቀት ተመዝገብቲ መረዳእታ ኮፒ ክተታሓሕዙ ግድን'ዩ።

➢ ተጫረቲ ቫት/value added tax/ ተመዝገብቲ ኮይኖም ናይ ወርሒ ጥሪ 2016 ዓ/ም ዲክለር ዝገበሩ መረዳእታ ዘቅርቡን ።

➢ ኣብ ጨረታ ሰነድ ናይ ተጫረቲ ንፁር ዝኮነ ሽም ፤ ፊርማ ፤ ኣድራሻ ፤ ሕጋዊ ማህተም ኣብ ሕድሕድ ገፅ ክግበሮ ኣለዎ።

➢ ዝመልእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉን ካብዚ ሰነድ ጨረታ ኣብ ካሊእ ሰነድ መሊኢካ ምቅራብ ተቀባልነት የብሉን።ብተወሳኪ ድማ ቫት ተመዝገብቲ ዝኮኑ ተወዳደርቲ ኣብ ሕድ ሕድ ማተርያል ናይ ቫት ዋጋ ሓዊሱ ብጥንቃቐ ትክክለኛ ነፀላ ዋጋ ከቀምጥ ኣለዎም።

➢ ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ናይ ጨረታ ውሕስና/ መክበሪ ጨረታ ወይ ብጥረ ገንዘብ ብባንኪ ዝተረጋገፀ መአዘዚ ክፍሊት ቸክ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ውሕስና ባንኪ/ብCPO ብር 16,000.00 ከተትሕዙ ይግባእ።

➢ ሰነድ ጨረታ ካብ ኣጉላዕ ቤት ማዛጋጃ ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ምምሕዳርን ዘይምለስ ብር 150 እናከፈሉ ጨረታ ሰነድ ክወስዱ ዝክእሉ ኮይኖም ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 30/05/2016 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ 12/06/2016 ዓ/ም ስዓት 2:50 ረፋድ ኣብ ናይ ስራሕ ስዓት እናመፁ ክወስዱ ይክእሉ ።

➢ እቲ ጨረታ ዕለት 12/06/2016 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ረፋድ ተዓፅዩ /ተዓሽጉ/ ብተማሳሳሊ ዕለት12/06/2016 ዓ/ም ልክዕ ስዓት 3:30 ረፋድ ተጫረትቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረከብሉ እዋን ይክፈት ተዘይሃለው እውን ኣብ ውሽጢ ጨረታ ሳንዱቅ ዝተረከበ ፖስታ

➢ ተጫረቲ ዘሸነፍዎ ንብረት ብናይ ባዕሎም መጓዓዓዚ ናብ ቤት ፅሕፈት ቤት ማዛጋጃ ከተማ ኣጉላዕ ከረክቡ ዝኽእሉን ብቅዓቱ ብበዓል ሞያ ምስተረጋገፀ ክፍሊቱ ክክፈል ዝክእል ።

➢ ስዓራይ ዘቅርቦ ንብረት ብኦርጅናል ምዃኖም ክፈልጥ ኣለዎ።

➢ ተወዳዳርቲ ንዝመልእዎ ሰነድ ጨረታ ኦርጅናል ነበይኑ ፎቶ ኮፒ ነበይኑ ኣብ ክልተ ፖስታ ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ብምምፃእ ነዚ ተባሂሉ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳፁን ምእታው ይክአል።

➢ ዊዝ ሆልድ ታክስ ምክፋል ግዴታ ምካኑ ምርዳእ የድሊ ።

➢ ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብከፊል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ቤት ማዛጋጃ ከተማ ኣጉላዕ ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ምምሕዳርን

ንተወሳኪ ሓበሬታ ስልኪ ቁፅሪ

09370271370914395796

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo