ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ኣብ መቐለ ዋና ቤት ፅሕፈቱ ካብ ዝርከቡ ክፍልታት ንግልጋሎት ካፍተሪያ ዝውዕል ዓቕሚ ንዘለዎምን ትካል ንዘቀመጦም ረቆሕታት ዘማልኡ ተወዳደርቲ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክህብ ስለ ዝደሊ ንዞም ቀፂሎም ተዘርዚሮም ዘለው ረቋሕታት እተማልኡ ኣካላት ንክትወዳደሩ ይዕድም፡፡

ደደቢት ትካል ልቓሕነ ምዕቓሪን/ደደቢት ትፍልም/

1. ተጫረቲ ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ /TN/ ከቕርቡ ዝኸእሉን ከምኡ እውን ናይ 2015 ዓ.ም ሕጋዊ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም፣ ቫት ተመዝገብቲ ምዃንኩም መረዳእታ ክተቕርቡ ኣትኽእሉ፣

2. ተጫረቲ ናይ ጨረታ መኸበሪ ካብ ሕጋውነቱ ዝተረጋገፀ ትካል ናይ 5,000.00 ብር CPO ኣስሪሖም ብፖስታ ዓሺጎም ከቅርቡ ይግባእ፡፡

3. ትካል ብተጫረቲ ንዝቀርቡ ናይ ምግብን ልስሉስ መስተን ግልጋሎታት ብተመጣጣኒ ዋጋን ደረጃ ፅሬቱ ብዝሓለወ ኣገባብ ንሰራሕተኛታቱን ዓማዊልን ከቅርቡ ብምሕሳብ ገዛ መብራህቲ ከምኡ ውን ማይ ኣብ ዘላትሉ ጊዜ ብነፃ ዘቅርብ ይኸውን።

4. ተጫረቲ ብክልተ ዓበይቲ መመዘኒ ረቋሕታት ማለት ቴክኒካውን ፋይናንሳውን መመዘኒታት ኣብ ግምት ብምእታው

4.1 ቴክኒካዊ መመዘኒታት

4.1.1 ብናይ ካፍተሪያ ኣወሃህባ ግልጋሎት ብቁዕ ክእለትን ልምዲ ወይ ተመኩሮ ዘለዎም ኾይኖም ቅድሚ ሐዚ ኣብ ዓበይቲ ትካላት ብተመሳሳሊ ግልጋሎት ናይ ዝሰርሕዎ ዝርዝር መረዳእታ ከቅርቡ ዝኸእሉ።

4.1.2 በቁዕ ግልጋሎት ንምሃብ ፅሬት ዘለዎምን ዘመናዊ ናውቲ መውዓይ ማሽን፣ ናይ ምግቢን መስተን መዝሐሊ ማሽን፣ ናይ ማይ መፃረይ ማሽን ደረጅኦም ዝሓለው ናይ ቴሌቨዥን እስክሪን ከምኡውን ዘመናዊ ፈርኒቸር ከማልኡ ዝክእሉ።

4.1.3 ንግልጋሎት ዝጥቀሙሎም ናይ ውዕይን ዙሑልን መቅረቢ ናውቲ ደረጃ ፅሬቶምን ዘመናዊነቶምን ዝሓለው ክኮኑ ይግባእ።

4.1.4 ኣብ እዋን ስራሕ ንሰራሕተኛታት ናብ ዘለውዎ ናይ ስራሕ ቦትኦም ናይ ልስሉስን ውዕይ መስተን ኣገልግሎት ወይ ሰርቪስ ከቅርቡ ዝኸእሉ።

4.1.5 ነቲ ግልጋሎት ዝህቡሉ ክፍልታትን ከባቢን ብዝተፈላለዩ መወቀቢ ብምጥቃም ናይ ምምልካዕን ሰሓቢ ናይ ምግባር ድልየትን ዓቅምን ዘለዎ።

4.2 ፋይናንሳዊ መመዘኒታት

4.2.1 በቲ ኣብ ቑፅሪ 3 ተገሊፁ ዘሎ መሰረት ንሕድሕድ ናይ ምግቢን መስተን ዓይነታት ብዝርዝር ዋጋን ማለት ናይ ስዕረት ናይ ፆም ምግቢ ዝሑልን ውዑይን መስተታት ብፅሬትን ብተመጣጣኒ ዋጋን ንሰራሕተኛታት ትካልን ዓማዊልን ክቅርብ ዝክእል።

4.2.2 ብቲ ዘቅረቦ ዝርዝር ዋጋ መሰረት ውዕል ንምእሳር ፍቃደኛ ዝኮነ።

5. ዝርዝር ቴክኒካውን ፋይናንሳውን መመዘኒታት ዝሓዘ ደኩመንት ካብ ዕለት ጀሚሩ ካብ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣማ ማይክሮ ፋይናንስ ጨንፈር 50.00 /ሓምሳ ብር/ ጥራሕ ብምኽፋል ኣብ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ትኽእሉ፣

6. ናይ ጨረታ ደኩመንት ብክልተ ፖስታ /ሽምዒ/ ነንበይኑ ዝተዓሽገ ኾይኑ እቲ ቀዳማይ ቴክኒካዊ መመዘኒታት ዝሓዘ ፖስታ እንትከውን እቲ ካልኣይ ፖስታ ድማ ፋይናንሳዊ መግለፂታት ወይ ናይ ሕድሕድ ዋጋ ዝርዝር ዝሓዘ ኮይኑ ምስተዓሸገ ኣብ ዝባኑ ቴክኒካውን ፋይናንሳውን ተባሂሉ ክፀሓፈሉ ድሕሪ ምግባር ኣብ ሓደ ዓብይ ፖስታ ብሽምዒ ተዓሽጉ ክሳብ 09/06/2016 ዓ/ም ሰዓት 3፡00 ናይ ንጉሆ ናብ ጨረታ ሳንዱቕ ኣታዊ ክግበር ኣለዎ። ጨረታ ዝክፈተሉ በቲ ዕለት ሰዓት 3፡30 ናይ ንጉሆ ተጫረቲ ወይ ወኪሎም ኣብ ዝተረኸብሉ ብኣባላት ጨረታ ኮምቴ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ኣብ ቤት ፅሕፈት ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ይኸፈት፡፡ ተጫረቲ ወይ ወኪላት ብኣካል እንተዘይተረኸቡ እውን እቲ ጨረታ ዝክፈት ይኸውን፡፡

7. መጀመርያ ቴክኒካዊ መመዘኒታት ዝሓዘ ሰነድ ተከፊቱ ካብ ዝተቀመጠሉ ነጥቢ ዝለዓለ ነጥቢ ዘምፅኡ ተወዳደርቲ ምስተፈለዩ ቀፂሉ ፋይናንሳዊ መግለፂ ዘሓዘ ዶክሜንት ተኸፊቱ ብናይ ኽልቲኡ ድምር ውፅኢት ዝለዓለ ነጥቢ ዝረከበ ተወዳዳሪ ሰዓሪ ጨረታ ይኸውን።

8. ናይ ጨረታ ሰዓራይ ውፅኢት ምስተፈለጠ ብውዕሉ መሰረት ዝፍፅም ምዃኑ ንምርግጋፅ ን90 መዓልትታት ዝፀንሕ ናይ 30,000.00 ብር ናይ ስራሕ ኣፈፃፅማ ውሕስና /unconditional Peromance bond/ ከትሕዝ ዝኸእል፣

9. ናይ ጨረታ ሰዓራይ ውፅኢት ምስተገለፀ ኣብ ውሽጢ ተኸታተልቲ 5 መዓልትታት ናብ ደደቢት ምምሕዳርን ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ክፍሊ ዕደጋን ንብረት ዋና ቢሮ ቐሪቡ ውዕሊ ክኣስር ኣለዎ።

10. ተጫረቲ ትካል ክማላኡ ኣለዎም ኢሉ ዘቀመጦም መዐቀኒታት ናይ ምምላእ ግዴታ ኣለዎም።

11. ትካል ዝሓሽ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡

12. ተወሳኺ ሓበሬታ እንተድልዩ ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ሳልሳይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 315 ክ/ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን ብኣካል ብምቕራብ ምሕታት ይካኣል እዩ፡፡

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo