ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ሳምረ ንግልጋሎት ምምሃርን ምስትማሃርን ን2016 ዓም ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ ሃላቅትን ቀወምትን ማለት እወን መሳርሒ ፅሕፈት : ኣዉቶ : ፈርኒቸር : ኤሌክትሮኒክስ : መሳርሒ ህንፃ : ሓፂን መፂን :ኣቅሑት ኤሌክትሪክን : ሰርቨይን ብጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ኮሌጅ ቴክኒከን ሞያን ሳምረ

1 ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ከተቅረቡ እትክእሉ

2 ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ መቅረባይነት ከተቅረቡ እትክእሉ

3 መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ከተቅረቡ እትክእሉ

4 መረዳእታ ተወሳኪ እሴት ታክስ ከተቅረቡ እትክእሉ

5 ናይ ወርሒ ሕደር 2016 ዓም ሒሳብ ዘቅረብክምሉ መረዳእታ ከተቅረቡ እትክእሉ

6 ሰዓርቲ ጨረታ ዝሰዓርክምዎ ንብረት ወዕሊ ካብ ዝአሰርክምሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 10 ናይ ስራሕ መዓለቲታት ብፅሬት መጠንን ብናይ ባዕለኩም መጎዓዝያ ናብቲ ኮሌጅ ክተቅርቡ እትክእሉ

7 ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ሽምን ኣድራሻን ዘለዎ ናይቲ ትካል ማህትመን ፊርማን ክህልዎ ይገባእ

8 ኣብ ዝኮነ ይኩን ሰነድ ምስትክካል ኣይከኣልን

9 ተጫረቲ ዘይመለስ 50 ቅርሺ እናከፈልኩም ሰነድ ጨረታ ኣብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ሳምረ ደጋፉ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳርን ንብረት ካብ 29/5/2016 ዓም ከሳብ 12/6/2016 ዓም ሰዓት 3:30 እናመፃእኩም ክትወስዱ ትክእሉ

10 መከበሪ ጨረታ ንነብስወከፍ 5000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ክተትሕዙ እትክእሉ

11 እቲ ጨረታ 12/6/2016 ዓም 3:30 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:00 ኣብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ሳምረ ደጋፉ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳርን ንብረት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣበ ዝተረከበሉ ይከፈት

12 ተጫረቲ ወይድማ ሰብ ዋና እነተዘይተረኪቦም እዉን ምክፋት ጨረታ ኣይተኣጎጎልን

13 እቲ ኮሌጅ ነቲ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0914837266 / 0945823394

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo