ኮሚሽን ኣብያተ ህንፀት ትግራይ ን ፅሕፈት መሳርሒ፤ፅሬትመሳርሒ፤ንኣናእሽተይ ናይ ቢሮ ንብረትን ቅ ብፕሮፎርማ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደሊ

ኮሚሽን ኣብያተ ህንፀት ትግራይ

ምልክታ ፕሮፎርማ ጨረታ

ኮሚሽን ኣብያተ ህንፀት ትግራይ ን ፅሕፈት መሳርሒ፤ፅሬትመሳርሒ፤ንኣናእሽተይ ናይ ቢሮ ንብረትን ቅ ብፕሮፎርማ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደሊ ዝምልከተኩም ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንፅውዕ፤ ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግባእ

1/ በቢስራሕ ዘርፉ ናይ 2016ዓ/ም ዝተሓደሰ ስራሕ ፍቓድን ቲን መፍለዪ ቁዕሪ ዘለዎ ኮፒ ከቅርቡ ዝኽእሉን ከምኡ ድማ ዝተሓደሰ መቕረባይነት ዝተመዝገብሉ ኮፒ ከቕርቡ ኣለዎም

2/ ተወዳደርቲ ዝመልእዎ ዋጋ ስልዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይ ሓደ ዋጋን ጠቅላላ ዋጋን ኣብ ዋጋ መምልኢ ቅጥዒ ብምምላእ ናይ ተጫረቲ ንፁር ኣድራሻ ብምጥቃስ ማህተምን ፌርማን ኣማሊኡ ከቅርብ ኣለዎ ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ካበ ኮሚሽን ኣብያተ ህንፀት ትግራይ ፋይናንስን ምም/ር ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 6 ምውሳድ ይካኣል እዩ

3/ እዚ ጨረታ ካብ ዕለት 23/05/2016ዓ/ም ክሳብ 28/05/2016ዓ/ም ሳዓት 3.00 ፀኒሑ በቲ ዕለት ንሱ ሳዓት 400 ይኽፈት ድሕሪ ጨረታ ምኽፋቱ /ምዕፃው ዝመፅእ ተቐባልነት የብሉን ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሑሉ ን7 መዓልቲ ይኸውን

4/ ሰዓሪ ዝኾነ ተወዳዳሪ : ሰዓሪ ኮይኑ ምስተነገሮ እቲ ንብረት ኣብ ዉሽጢ 5ተ መዓልቲ ማዓልቲ ብናይ ባዕሉ መዓ ንኮሚሽን ኣብያተ ህንፀት ትግራይ ምስ ኣረከበ ካብ ጠቕላላ ዋጋ ዝሰዓሮ ዝኽፈሎ ገንዘብ ልዕሊ 10.000 ብር እንተኾይኑ ዊዝ ሆልድ ታክሲ 2% ዝኸፍል ምኻኑ ክፍለጥ ኣለዎ

5/ መስራቤትና ኣብ በዝሒ ንብረት 20% ክዉስኽ ወይ ክትንስ ይኽእል እዩ

6/ መስራቤትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ ኮይኑ፡ እዚ ጨረታ ከም ዉዕል ኮይኑ የገልግል

7/ ንተወሳኺ ሓቤሬታ ብኣካል ወይ ብስልኪ ቁፅሪ 0342408918/0913740315 ምሕታት ይከኣል

ኮሚሽን ኣብያተ ህንፀት ትግራይ

ኣድራሻና መቅለ 09 እንዳተክለማይማኖት ቤተክርስትያን በሪ ፊትንፊት ኣብ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo