አብ ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓድዋ ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ዲዛይንን ህንፀትን ኣብ ናይ 2016 ዓም በጀት ዓመት ኣብ ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓድዋ ካብ UIIDP ብዝተረከበ በጀት ካብ ናይ ዓድዋ መእተዊ ዕዳጋ ዓርቢ ቀበሌ አሉላ ክሳብ ቤት እንዳ ኣምናአረጋዊ ቤተ ክርስቲያን ከባቢ ካብ ሆቴል ማይ ዓሳ ሆቴል ክሳብ ሸዊት ሆቴል ዝርገሐ ናይ ማእከል መንገዲ መብራህቲ ማለት እዉን median street Steel pool ንምስራሕ ብኤሌትሪክን ኤሌክትሮ መካኒካል ደረጃ 7 ን ልዕሊኡን ብርኪ ስራሕ ዘለዎም ስራሕቲ ተኮናተርቲ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ

ቤት መዘጋጀ ከተማ ዓድዋ

1 ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ንግዲ ምዝገባ ምስክር ወረቀት : ንግዲ ስራሕ ፈቃድ : ተኮናተራይነት ምዝጋባ ካርዲ : መቅረባይነት ሰርተፊኬት : ግብሪ ከፋሊ ምዝገባ ሰርተፊኬት ማለት እዉን ቲን : ንግዲ ሽም ምስክር ወረቀትን:  ቫት ምዝገባ ምስክር ወረቀት ከምእ ዉን ናይ ዘሐለፈ ወርሒ ናይ ቫት ድክለሬሽን ዘቅርብ

2 መከበሪ ጨረታ 150000 / ሐደ ሚእቲን ሓምን ሽሕ / ብናይ ኢትዩጰያ ቤሄራዊ ባንኪ ካብ ዝተፈቀደሎም ባንኪታት ወይ እዉን ፋይናንሳዊ ትካላት ዝዉሃብ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረት ዉሕስና ባንኪታት ወይ ፋይናንሳዊ ትካላት ብዘረጋግፆ ቼክ ወይ እዉን ስፒኦ ከቅርቡ አለዎም

3 ተጫረቲ ናይቲ ዝጫረትሉ ህንፃ ፕሮጀከት ስራሕቲ ሳይት ካብ ዝተረከብሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሸጢ 90 ተከታተለቲ መዓልቲታት መሉእ ብሙሉእ ዛዚሞም ከረክቡ አለዎም

4 ተጫረቲ ብቤት መዘጋጃ ከተማ ዓድዋ ከይዲ ስራሕ ዲዛይንን ህንፀትን ዝተዳለወ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ 600 ኣብ መዘጋጃዊ እቶት ብምክፋል ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ካብ መዘጋጃ ከተማ ዓድዋ ከይዲ ስራሕ ዲዛይንን ህንፀትን ቁፅሪ 4 ምዉሰድ ይክእሉ እዩም

5 ተጫራታይ ብዝወሰዶ በዝሒ ቅዳሕ ዝመልኦ ዋጋ ጨረታ ሰነድ ሐደ ዋናን ክልተ ቅዳሕን ፋይናንሻልን ደኩመንትን ሐደ ዋናን ክልተ ፎቶ ኮፒን በበይኖም ተዓሺጎም : ስራሕ መጠን ናይ ጨረታ መከበሪ ስፒኦ ወረቀት ንግዲ ምዝገባ ምስክር ወረቀት ንግዲ ስራሕ ፈቃድ  : ተኮናተራይነት ምዝገባ ካርዲ : ግብሪ ከፋሊ ምዝገባ ሰርትፊኬት ማለት እዉን ቲን  ቫት ምዝገባ ምስክር ወረቀትን ከምእዉን ናይ ዘሐለፈ ወርሒናይ ቫት ድክለሬሽን ሰነዳት ኣብ ዝተፋለለየ ፖስታት ምስ ተዓሸጉ ኮሎም ፖስታት ኣብ ካሊእ ዓብይ ፖስታ መሊሶም ብምዕሻግ ናይቲ ዝተጫረትሉ ፕሮጀከት ስም ኣብ ልዕሊ እቲ ዓብይ ፖስታ  ብዝርአ ቀለም ብምፅሓፍ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ አብ መዘጋጃ ከተማ ዓድዋ ከይዲ ስራሕ ዲዛይንን ህንፀትን ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ክሳብ 7 ለካቲት 2016 ዓም ሰዓት 3:00 ቅድሚ ቀትሪ ብኣካል ብምምፃእ ወይ እዉን ብወኪሎም ኣቢሎም ከእትዉ አለዎም

6 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ብዉነ ተረዲኦም ዋጋ ብምምልእ ፈሪሞምን ማሕተም ብምዕራፍ እቲ ጨረታ ከምቲ ክሽየጥ እንተሎ ዝነበረ ከይ ኣጎደሉ ከቅርቡ አለዎም

7 እቲ ጨረታ ኩሎም ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረክበሉ 7 የካቲት 2016 ዓም ልክዕ ሰዓት 3:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 3:30 ኣብ አዳራሻ ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓድዋ ይክፈት

8 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብመሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ   0914787894

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo