ማ/ተ/ሰትግራይ ኩሓ መለስ ካምፓስ ማእኸል ተሃድሶ ሰራዊት ትግራይ መለስ ካምፓስ ንውጉኣት ተጋደልቲ ንምግብነት ዝውዕል ኣሰበዛን ውጺኢት ባልትናን ብግልጺ ጨረታ ኣጫሪቱ ክዕድግ ይደሊ።

መለስ ማእኸል ተሃድሶ ሰራዊት ትግራይ

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ማ/ተ/ሰትግራይ ኩሓ መለስ ካምፓስ ማእኸል ተሃድሶ ሰራዊት ትግራይ መለስ ካምፓስ ንውጉኣት ተጋደልቲ ንምግብነት ዝውዕል ኣሰበዛን ውጺኢት ባልትናን ብግልጺ ጨረታ ኣጫሪቱ ክዕድግ ይደሊ።በዚ መሰረት እዞም ዝሰዕቡ ረቛሒታት እተማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ክትሳተፉ ይዕድም፡፡

1) ተጫረቲ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎምን ኣድላዩ ዘበለ ዶክሜንትን ምስቲ ሰነድ ፎቶ ኮፒ ኣተሓሒዞም ከቕርቡ ይግባእ፡፡

2) ተጫረቲ ኣብ ዘእተውዎ ሰነድ ብዘይ ስርዝ ድልዝ ናይ ሕድሕድ ንብረት ብኑጹር ዋጋ መሊኦምን ፈሪሞምን ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ከረክቡ ይግባእ።

3) ተጫረቲ ብማ/ተ/ሰ ትግራይ መለስ ካምፓስ ብዝተዳለወ መምልኢ ዋጋ ኣብ ባዕሉ መሊእኹም ካብ ዕለት 21/05/2016 ዓ/ም ጀሚርኩም ክሳብ ዕለት 07/06 /2016 ዓ/ም ጨረታ ዝዕፀወሉ ግዜ ኣብ ዕደጋ ክፍሊ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ጨረታ ክተእትዉ ይግባእ።

4) ተጫረቲ ቴክኒካልን ፋይናንሻልን ሰፐስፊኬሽን በቢ በይኑ ብፖስታ ዓሺጎም ከቕርቡ ይግባእ፡፡

5) ተጫረቲ ዘቕረብዎ ዓይነት ግልጋሎት ብዝተኣዘዘ ግዘ ፡ መጠንን ፅሬትን መሰረት ክኸዉን ይግባእ።

6) እቲ ጨረታ ተጫረትቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዘለውዎ ዕለት 07/06 /2016 ዓ/ም ቴክኒካል ስፐስፊኬሸን ቅድሚ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ 4፡30 እንትኽፈት እቲ ፋይናንሻል ሰፐስፊኬሸን ድማ 8:00 ሰዓት ይኽፈት።

7) ናይ ጨረታ መኽበሪ 100,000 (ሚኢቲ ሸሕ) ቕርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ጥራሕ ብማ/ተ/ሰ ትግራይ መለስ ካምፓስ ሸም ብዝተዓሸገ ፖስታ ከእትዉ ይግባእ።

8) ተጫረቲ ዝርዝር ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለሰ 150 (ሚኢትን ሓምሳን) ቕርሺ ኣብ ናይ ትካልና ፋይናንስ ብምኽፋል እቲ ሰነድ ካብ ዕደጋ ክፍሊ ክወሰዱ ይግባእ፡፡

9) ተጫረቲ ማህተም ዘለዎ ምሉእ ኣድራሸኦምን ስልኪ ቑፅሮምን ከቐምጡ ኣለዎም።

10) ሰዓራይ ጨረታ ነቲ ዘሸነፎ ዓይነት ግልጋሎት ውዕሊ ኣሲሩ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ግልጋሎት ክጅምር ይግባእ

11)ተጫረቲ ናይ 2016 ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ምስ ናይ 2015 ግብሪ ከም ዝከፈለ መራጋገጺ ሰነድ ኣታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል ክኮውን ኣለዎ፡፡

12) ተጫረቲ ናይ መቅራባይነት ፍቃድን ቲን(tin) ናምበርን ምስ 2 ኮፒ ኣተሕእሒዙ ከቅርብ ኣለዎ፡፡

13) ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብውሱን ወይ ኸዓ ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልው እዩ፡፡

14) ተጫረቲ ኣብ ኣመላልኣ ዋጋን ሰፐሰፊኬሸንን ንዝፈጠርዎ ጌጋ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ፈሊጥኹም ብጥንቃቄ ክትመልኡ ይግባእ፡፡

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo