ቤት ፅሕፈት ፍትሒ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ኣብ ናይ 2016 በጀት ዓመት ንቤት ፅሕፈትና ግልጋሎት ዝውዕል ናይ መኪና መለዋወጥን ፅሬት ኣቁሑትን ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ

ዞባ ደቡብ ምብራቅ ማእኸል ቤት ፍርዲ

ምልክታ ፕሮፎርማ

ቤት ፅሕፈት ፍትሒ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ኣብ ናይ 2016 በጀት ዓመት ንቤት ፅሕፈትና ግልጋሎት ዝውዕል ናይ መኪና መለዋወጥን ፅሬት ኣቁሑትን ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ እዞም ኣብ ታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ንክትወዳደሩ እትደልዩ መቕረብቲ ብኣኸብሮት ፃውዒቱ የቕርብ: ክማልኡ ዝግበኦም ረቛሒታት

1. ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ፣ መፍለዪ ቁፅሪ / ቲን ናምበር / ናይ ግብሪ ከፋላይ : ከምኡ እውን ዝተሓደሰ ናይ መቅራባይነት ሰርቲፊኬት ከቕርብ ዝኽእል፡

2. ተወዳደርቲ ካብ ቤት ፅሕፈትና ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ር ካብ ዕለት 21/05/2016 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 23/05/2016 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ ሰዓት ብምምፃእ ሰነድ ፕሮፎርማ ክትወስዱ ከም እትኸእሉ ብምሕባር ፕሮፎርማ ዝኸፈተሉ ዕለት 24/05/2016ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቐትሪ ሕጋዊ ጨረታ ኮሚቴ ኣብ ዘለውሉ ይኸፈት፡፡

3. ሰዓራይ - ሰዓራይ ምዃኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ በቲ ዝወፀ ስፐስፊኬሽን መሰረት ኣብ ውሽጢ 5' ናይ ስራሕ ማዓልትታት ብናይ ባዕሉ ወፃኢ መጋዓዝያን መራገፍን ናብ ትካልና ከቕርብ ዝኽእል ክኸውን ኣለዎ፣

4. መቕረቲ ኣብ ሕድ ሕድ ናይ መወዳደሪ መረዳእታኹም ከምኡ እውን ኣብ ናይ ዋጋ መምልኢ ቅጥዕን ናይ ትካልኩም ማህተም ሽምን ፌርማን ዝዓረፎ ኮይኑ ስርዝ ድልዝ ብዘይብሉ ብኢንቮሎፕ /ፖስታ / ዓሺግኩም ንቤት ፅሕፈት ፍትሒ ዞባ ደ/ምብራቕ ከ/ስ/ዕ/ፋ/ንብ/ምም/ርን ክተቕርቡ ኣለኩም፡፡

5. ተወዳደርቲ ዘቕረብዎ ናይ መወዳደሪ ዋጋ ድማ ከም ውዕሊ ኮይኑ የገልግል ፣

6. ዋጋ ፕሮፎርማ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ንሸውዓተ 7' ናይ ስራሕ መዓልታት ይኸውን፡፡

7. ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ፡፡

ኣድራሻና ፡

ትግራይ -መቐለ - ቀበሌ 17 ፊት ንፊት ማረት ኮብልስቶን እትው ኢልካ ኣብ ምም/ር ዞባ ደ/ምብራቕ ፍትሒ ዞባ ደ/ምብራቕ ኢልኩም ክትረኸቡና ትኽእሉ::

➢ ንዝተደለየ ሓበሬታ ብሞባይል ቁፅሪ:-0914291308 ብምድዋል ክትረኸቡና /ሓበሬታ ክትረኸቡ/ ትኽእሉ ኢኹም ፡፡

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo