ማ/ተ/ሰ/ትግራይ ኩሓ መለስ ካምፓስ ማእኸል ተሃድሶ ሰራዊት ትግራይ መለስ ካምፓስ ንውጉኣት ተጋደልቲ ንጽርየት ግልጋሎት ዝውዕል ዝተፋላለዩ ናይ ጽርየት ኣቁሑት ብግልጺ ኣጫሪቱ ክዕድግ ይደሊ።

መለስ ማእኸል ተሃድሶ ሰራዊት ትግራይ

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ማ/ተ/ሰ/ትግራይ ኩሓ መለስ ካምፓስ ማእኸል ተሃድሶ ሰራዊት ትግራይ መለስ ካምፓስ ንውጉኣት ተጋደልቲ ንጽርየት ግልጋሎት ዝውዕል ዝተፋላለዩ ናይ ጽርየት ኣቁሑት ብግልጺ ኣጫሪቱ ክዕድግ ይደሊ። በዚ መሰረት እዞም ዝስዕቡ ረቛሒታት እተማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ክትሳተፉ ይዕድም፡፡

1) ተጫረቲ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎምን ኣድላዩ ዘበለ ዶክሜንትን ምስቲ ሰነድ ፎቶ ኮፒ ኣተሓሒዞም ከቕርቡ ይግባእ፡፡

2) ተጫረቲ ኣብ ዘእተውዎ ሰነድ ብዘይ ስርዝ ድልዝ ናይ ሕድሕድ ንብረት ብኑጹር ዋጋ መሊኦምን ፈሪሞምን ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ከረክቡ ይግባእ።

3) ተጫረቲ ብማ/ተ/ሰ ትግራይ መለስ ካምፓስ ብዝተዳለወ መምልኢ ዋጋ ኣብ ባዕሉ መሊእኹም ካብ ዕለት 21/05/2016 ዓ/ም ጀሚርኩም ክሳብ ዕለት 06/06 /2016 ዓ/ም ጨረታ ዝዕፀወሉ ግዜ ኣብ ዕደጋ ክፍሊ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ጨረታ ክተእትዉ ይግባእ፡፡

4) ተጫረቲ ቴክኒካልን ፋይናንሻልን ስፐስፊኬሽን በቢ በይኑ ብፖስታ ዓሺጎም ከቕርቡ ይግባእ፡፡

5) ተጫረቲ ዘቕረብዎ ዓይነት ግልጋሎት ብዝተኣዘዘ ግዘ ፣ መጠንን ፅሬትን መሰረት ክኸዉን ይግባእ፡፡

6) እቲ ጨረታ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዘለውዎ ዕለት 06/06 /2016 ዓ/ም ቴክኒካል ሰፐስፊኬሸን ቅድሚ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ 4፡30 እንትኽፈት እቲ ፋይናንሻል ሰፐሰፊኬሸን ድማ 8:00 ሰዓት ይኽፈት፡፡

7) ናይ ጨረታ መኽበሪ 100,000 (ሐደሚኢቲ ሸሕ) ቕርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ጥራሕ ብማ/ተ/ሰ ትግራይ መለስ ካምፓስ ሸም ብዝተዓሸገ ፖስታ ከእትዉ ይግባእ፡፡

8) ተጫረቲ ዝርዝር ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ 100 (ሓደ ሚኢቲ) ቕርሺ ኣብ ናይ ትካልና ፋይናንስ ብምኽፋል እቲ ሰነድ ካብ ዕደጋ ክፍሊ ክወሰዱ ይግባእ፡፡

9) ተጫረቲ ማህተም ዘለዎ ምሉእ ኣድራሸኦምን ስልኪ ቑፅሮምን ከቐምጡ ኣለዎም።

10) ሰዓራይ ጨረታ ነቲ ዘሸነፎ ዓይነት ግልጋሎት ውዕሊ ኣሲሩ ኣብ ውሸጢ ሰለስተ መዓልቲ ግልጋሎት ክጅምር ይግባእ፡፡ 

11) ተጫረቲ ናይ 2016 ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ምስ ናይ 2015 ግብሪ ከም ዝከፈለ መራጋገጺ ሰነድ ኣታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል ክኮውን ኣለዎ። 

12) ተጫረቲ ናይ መቅራባይነት ፍቃድን ቲን(tin) ናምበርን ምስ 2 ኮፒ ኣተሕእሒዙ ከቅርብ ኣለዎ፡፡

13) ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብውሱን ወይ ኸዓ ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልው እዩ፡፡

14) ይግባእ ። ተጫረቲ ኣብ ኣመላልኣ ዋጋን ስፐሰፊኬሸንን ንዝፈጠርዎ ጌጋ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ፈሊጥኹም ብጥንቃቄ ክትመልኡ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo