በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ን2016 በጀት ዓመት ግልጋሎት ዝዉዕል መሳርሒ ፅሕፈት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

በዓል መዚ ልማዓት እቶት ትግራይ

1 ናይዚ ዘበ ግብሪ ዝከፈሉን ፍቃድ ንግዲ ዘለዎምን ዝሐደሱን ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮኑ መለለይ ቁፅሪ ከፈላይነት ግብሪ ዘለዎም ኣብ መቅረባይ ዝተመዝገቡ

2 ናይ ወርሒ ሕዳር 2016 ዓም ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝከፈልሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ

3 መክበሪ ጨረታ 5000 / ሓሙሽተ ሽሕ/ ቅርሺ

4 ሰነድ ጨረታ ዘይምለሰ 50 ቅርሺ ብምክፋል ካብ በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ክፍሊ ቁፅሪ 4 ን 5 ብምዉሳድ ንዘቅርብዎ ዝርዝር ሰነድ ጨረታ  ዋጋ ብምምላእ ብዝተኣሸገ ፖስታ ብምድላዉ እዚ ምልክታ ከብ ዝተጋወሐሉ 20/5/2016 ዓም ከሳብ 4/6/2016 ዓም ኣብ ሰራሕ ሰዓት ንጨረታ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ብምእታዉ ክትወዳደሩ ትክእሉ

5 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 4/6/2016 ዓም ሰዓት 8:00 ኮይኑ በቲ ዕለት ሰዓት 8:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ይክፈት

6  እቲ በዓል መዚ ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙለእ ወይ ብክፋል ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

7 ተጫረቲ ሕድሕድ ዝምላ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ታስክ ዝሐወሰ ክክዉን አለዎ

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344401875

ኣደራሻና ዓዲሓቂ ህንፃ ማሕበር ጉዳእተ ኩናት ሳልሳይ ደብሪ ክፍል ቁፅሪ 4ን5 ጥቃ ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo