ትካልና ቢኤምኣር ሪል እስቴት ሓ/ዝተወ/ው/ማሕበር ኣብ ከተማ መቐለ ክ/ከተማ ቀ/ወያነ ዝርከብ City Mall ፕሮጀክት ናይ ኳዕታ(Excavation and Earth Work) ስራሕቲ ኣጫሪቱ ንምስራሕ ስለዝደለየ

ቢኤምኣር ሪል እስቴት ሓ/ዝተ/ዉ/ማሕበር

 ጨረታ ምልክታ 

ትካልና ቢኤምኣር ሪል እስቴት ሓ/ዝተወ/ው/ማሕበር ኣብ ከተማ መቐለ ክ/ከተማ ቀ/ወያነ ዝርከብ City Mall ፕሮጀክት ናይ ኳዕታ(Excavation and Earth Work) ስራሕቲ ኣጫሪቱ ንምስራሕ ስለዝደለየ እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 25/05/2016 ዓ.ም ቅድሚ ሰዓት 4፡00 ትወዳደርሉ ፕሮፎርማ ክተቕርቡ እንዳገለፅና ተጫረቲ ክተማልእዎ ዝግበአኩም ካብዚ ንታሕቲ ዝተገለፀ ምዃኑ ንሕብር።

1. ብዘርፉ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ።

2. ቲን ናምበር ዝተመዝገበሉ ሰርቲፍኬት ከቕርብ ዝኽእል ።

3. ቫት ተመዝጋቢ ኮይኑ ዝተመዝገበሉ ሰርቲፍኬት ከቕርብ ዝኽእል።

4. ኣብቲ ጨረታ ሰነድ ስርዝ ድልዝ እንተሃልይዎ እቲ ተወዳዳሪ ካብ ጨረታ ወፃኢ ይኸውን።

5. ዘእተውዎ ዋጋ ቅድሚ ቫት ወይ ድሕሪ ቫት ምዃኑ ብግልፂ ክቕመጥ ኣለዎ።

6. ናይ ጨረታ ሰነድ ብኦርጅናልን ኮፕን ኮይኑ ነንበይኑ ተዓሺጉ ክቐርብ ኣለዎ።

7. ቅድሚ ሐዚ ዝሰራሕኹምዎ ስራሕ ልምዲ ክተቕርቡ ኣለኩም ስራሕ ልምዲ ዘየቕረበ ካብ ጨረታ ይስረዝ። መተሓሳሰቢ፦ ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብክፋል ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ኣብ ስራሕ ታሳቢ ክግበሩ ኣለዎም።

1. ኣብ ትሕትዮኩም ተቆፂሮም ዝሰርሑ ሰራሕተኛ ኢንሹራንስ ናይ ምእ ሓላፍነት ኣለኩም። 

2. ኣብ ትሕተይኹም ተቆፂሮም ዝሰርሑ ሰራሕተኛ ንድሕንነቶም ዝከውን ከምኒ ሄልሜት፣ መከላከሊ መነፅርን ጓንትን ወዘተ ናይ ምቕራብ ሓላፍነት ኣለኩም።

3. ነቲ ሳይት ዝምጥን ሞያተኛ ናይ ምቕራብ ሓላፍነት ኣለኩም።

4. ነቲ ሳይት ዝምጥን functional ዝኾነ ማሽን ናይ ምቕራብ ሓላፍነት ኣለኩም።

5. ነቲ ስራሕ ግልጋሎት ዝኮኑ ማተርያልን ማሽነርን ብሳብ ኮንትራክተር ይቐርብ ።

ኣድራሻና፦ ኣብ ከባቢ ዋና ጨንፈር ንግዲ ባንኪ ኢትዮጵያ ፊት ንፊት ዝርከብ ህንፃ ኤክስፖ ቁ-1 6ይ ደብሪ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo