ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ባዓል ዓድዋ ብዝደመቐ መንገዲ ንምብዓል ንምትእኽኻብ ስለዝደለየ፤ ኣብዚ ዓውዲ ትነጥፉ ፕሮሞተራት ኣወዳዲሩ

ኢጀንሲ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ

ም ል ክ ታ

ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ባዓል ዓድዋ ብዝደመቐ መንገዲ ንምብዓል ንምትእኽኻብ ስለዝደለየ፤ ኣብዚ ዓውዲ ትነጥፉ ፕሮሞተራት ኣወዳዲሩ ከስርሕ ካብ ስፖንሰራት ሃፍቲ ስለዝደለይ ሕጋዊ ፍቓድ ዘለኩምን ክትሕግዙ እትደልዩን ትካላት ወይ ውልቀ ሰባት ብመሰረት እዞም ዝስዕቡ ዝርዝር ረቑሓታት ሰነድኩም ክሳብ 16-20/5/2016 ዓ/ም ብምቕራብ ክትወዳደሩ ይዕድም ፡፡

1. ናይ 2016ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘቕርብ።

2. ኣብ ምስንዳእ ፕሮጀክት ብቕዓት ዘለዎ።

3. ብስፖንሰር ሃፍቲ ናይ ምትእልላሽ ስራሕ ልምዲ መረዳእታ ከቕርብ ዝኽእል።

4. ብስራሕቲ ፕሮሞሽንን ምድላው ኩነትን ስራሕ ልምዲ ዘለዎን መረጋገፂ ብቕዓት ከቕርብ ዝኽእልን።

5. ዘቕርቦ ፕሮፖዛል ፋይናንሻልን ቴክኒካውን ሓበሬታ ብዝርዝር ከቕርብ ዝኸእል።

6. ኣብ ሕሉፍ እዋናት ዘቕረቦ ፕሮጀክትን ዕውትነት እቲ ፕሮጀክት ዘመላኽት መረዳእታ ዘቕርብ።

7. ተወዳዳራይ ፕሮሞተር 50,000 ስፒኦ ክትሕዝ ዝኸእል ።

8. ብስፖንሰር ካብ ዝተእከብ ሓፈሻዊ ገንዘብ 25/ ንፕሮሞተር 75 / ንመንግስቲ ክውዕል ዝስማዕማዕ

9. ዝረኽቦ እቶት ካብቲ ንመሳለጢ ስራሕ ወይ ትሕቲ ክልተ ሚልዮን እንተኾይኑ ኮምሽን ዘይወስድ።

10. ዝኣተዎ ቓል ብተግባር ከም ዝፍፅም መተኣማመኒ ከቕርብ ዝኽእል

11. ሰዓራይ ፕሮሞተር ወይ መዳለዊ ኩነት ኣብ ውሽጢ 2' መዓልቲ ውዕሊ ክኣስር ዝኸእል።

12. ውዕሊ ካብዝኣሰረሉ ዕለት ጂሚሩ ውፅኢት ስርሑ ብቢ 5 መዓልቲ ሪፖርት ከቕርብ ዝኽእል።

13. ውዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 20 መዓልቲ ዝተረኸበ እቶት ናብ ናይ ቢሮ ኣካውንት ከእቲ ዝኸእል።

14. ኣብ ስራሕቲ ማሕበረሰብ ተኮር፤ከምኡ'ውን ባህልን ቱሪዝምን እኹል ግንዛበ ዘለዎን መረጋገፂ ዝኸውን ጭቡጥ መረዳእታ ከቕርብ ዝኸእል። 

15 ከይዲ ምትእልላሽ ሃፍቲ/ስፖንሰር/ ዘመላኸት ኣገባብ ኣፈፃፅማ ብዝርዝር ከቕርብ ዝኽእል

16. ካብ ምትእልላሽ ሃፍቲ ዝተረኸበ እቶት ይግበአኒ እዩ ዝብሎን ማሕበራዊ ሓላፍነቱ ንምውፃእ ዘወፍዮን መጠን ብምኢታዊ /%/ ዝገልፅ።

17. ምስ ማሕበረሰብን ትካላትን ዘለዎ ስጡም ምትእስሳር ዝሕብር መረዳእታ ዘቕርብ።

18. ካልእ ካብዚ ዝቐረበ ዝርዝር ረቑሓ ተወሰኽቲ ብልጫታት ዘቕረብ

19. ውዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 20 መዓልቲ ዝረኸቦ እቶት ናብ ናይ ቢሮና ኣካውንት ከእቲ ዝኽእል።

ል. ቢ

በቲ ዝኣተዎ ውዕሊ መሰረት ስርሑ ብኣግባቡ ዘይፈፀመ ብመስርሕ ክልልና ተሓታቲ ይኸውን ::

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo