ኢንተርፕራይዝ መፅናዕቲ ዲዛይንን ቁፅፅርን ስራሕቲ ማይ ትግራይ ናይ ኮር ድሪሊንግ (Core Drilling Works) ስራሕቲ ዝሰርሑ ትካላት ኣወዳዲሩ ከስርሕ ስለዝደሊ

ኢንተርፕራይዝ ስራሕቲ ማይ ኮንስትራክሽን ክልል ትግራይ

ን2ይ ግዜ ዝወፀ ግልፂ ጨረታ

ኢንተርፕራይዝ መፅናዕቲ ዲዛይንን ቁፅፅርን ስራሕቲ ማይ ትግራይ ናይ ኮር ድሪሊንግ (Core Drilling Works) ስራሕቲ ዝሰርሑ ትካላት ኣወዳዲሩ ከስርሕ ስለዝደሊ በቲ ስራሕ ክትወዳደሩ እትደልዩ ሕጋውያን ተወዳደርቲ ዘይምለስ ብር 500.00 ሓሙሽተ ሚኢቲ ብምኸፋል ትካል ዘዳለዎ ዝርዝር ጨረታ ሰነድ ወሲድኩም ንክትወዳደሩ ንዕድም::

1. ናይ 2015 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ኮፒ ክተታሓሕዙ ትክእሉ፡፡

2. ናይ መቕረባይ ምዝገባ ሰርትፊኬትን IN ቑፅሪ ዝሓዘ ኮፒ ክተታሓሕዙ ትኸእሉ፡፡

3. ቫት ተመዝጋቢ ተኾይኖም ናይ ቫት ሰርትፊኬት ኮፒን ዘቕርብዎ መወዳደሪ ዋጋ ቫት ዝሓወሰ ክኸውን ኣለዎ፡:

4. ካብ ዝምልከቶ አካል ዝተውሃበኩም ናይ ብቕዓት መረጋገፂ መረዳእታ ክተቕርቡ ትኸእሉ፡፡

5. ናይ ጨረታ መኸበሪ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብ C.P.O. ብር 10,000.00 (ዓሰርተ ሽሕ) ከተትሕዙ ትኸእሉ፡፡

6. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዶኩመንት ፋይናንሻልን ቴክኒካልን፣ሓደ ዋና ምስ ሓደ ቕዳሕ ተፈላልዩ ብስምዒ ብምዕሻግ ንጨረታ ሰነድ መእተዊ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ቅድሚ ጨረታ መዕፀዊ ስዓት ምብፅሑ ኣታዊ ይገበሩ፡፡

7. ዝርዝር ናይ ኮር ድሪሊንግ ስራሕቲ ዝሓዘ ሰነድ በዓል 97' ገፅ መረዳእታ ንዝደሊ ተወዳዳራይ ጨረታ ቅድሚ ምዕፃው ኣብ ዘለዉ ተኸታተልቲ 5* መዓልታት ብአካል ወይ ብፅሑፍ ምቕራብ ይከኣል እዩ፡፡

8. ጨረታ ዕለት 30/05/2016 ዓ/ም ስዓት 5፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ልክዕ ስዓት 8፡30 ተጫራቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረኸበለ ይኸፈት፡፡

9. ትካልና ካልእ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዮ፡፡

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ/ቑ 0914742142 ምሕታት ይካአል እዩ፡፡

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo