ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ጉሎመኸዳ ን2016 በጀት ዓመት ኣብ ወረድኡ ንዝርከብ ቤት ፅሕፈታት ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ኣቑሑ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቑሑ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ(ክገዝእ) ይደሊ፡፡

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናስን ወረዳ ጉሎ መከዳ

 በዚ መሰረት ኣብዚ ጨረታ ንኽትጫረቱ(ንኽትወዳደሩ) እትደልዩ ተጫረቲ በዚ ምልክታ ይዕድም፡-

ተጫረቲ ክተማልእዎ ዝግባእ ረቛሒታት ከም ዝስዕብ ይኸውን

1. ናይ ተጫረቲ ሽም ፊርማ ኣድራሻ ማህተም ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ክገብሩ ኣለዎም

2. ንናይ ፅሕፈት መሳርሒ ኣቑሑ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቑሑን ናይ 2016ዓ/ም ናይቲ ዓውደ ስራሕ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድን ናይ መቕረብቲ ምዝገባ መለለዪ ካርዲን፣ናይ ግብሪ ከፋሊ መፍለዪ ቁፅሪ(T) ተወሳኺ እሴት ታክስ(VAT) ዝተመዝገብሉ ናይ ምዝገባ ምስክር ወረቐት፣ ተወሳኺ እሴት ታክስ(VAT) ዝተመዝገብሉ ናይ ወርሒ ጥቅምቲ ክሳብ ታሕሳስ 2016ዓ/ም ዲክሌር ዝገበርሉ ዝተገናዘበ መረዳእታ ኮፒ ብምቕራብ ክትወዳደሩ ከም እትኽእሉ፡፡

3. በዚ መሰረት ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን ምልክታ ካብ ዝወፅአሉ(ዝተቓለሐሉ) ዕለት ጀሚሩ ብር=150(ሓደ ሚኢትን ሓምሳ ብር) ብምኽፋል ምውሳድ እትኽእሉ ምዃንኩም፡፡

4. ናይ ጨረታ መኽበሪ ብጥረ ገንዘብ(Cash)፡ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ(CPO) ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ውሕስና ባንኪ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሌተርኦፍ ክሬዲትን ምትሓዝ ዝከኣል ኮይኑ በዚ መሰረት ፅሕፈት መሳርሒ ኣቑሑ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቑሑ 5,000 (ሓሙሽተ ሽሕ ብር) ብሽም ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ጉሎመኸዳ ከትሕዙ ዝኽእሉ ክኾኑ ኣለዎም፡፡

5. ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ኣታዊ ዝግበረሉ ቦታ ኣብ ወረዳ ጉሎመኸዳ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን ምዃኑ ክትፈልጡ ይግባእ፡፡ በዚ መሰረት ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 28/05/2016 ዓ/ም ሰዓት 4፡30 ቅድሚ ሰዓት ኮይኑ ጨረታ ዝኸፈተሉ ድማ ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላት ኣብ ዝተረኸብሉ በቲ ዕለት 28/05/2016 ዓ/ም ሰዓት 5፡00 ቅድሚ ሰዓት ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን ይኽፈት፡፡

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo