ቤት መዘጋጃ ከተማ መኮኒ ንዝተፋላለዩ ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ቤትፅሕፈት ንብረታት ማለት እዉን ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ኣቁሑት፥ ኤሌክትሮኒክስ ፥ ናይ ተሽከርከርቲ መኪና ጎማ ናይ ህንፃ መሳርሒ ኣቁሑትን ፥ ናይ ፈርኒቸር ኣቑሑት፥ ፅሬት ኣቑሑን ንፈልሲ ዝኸዉን ዘርእታት ብግልፂ ጨረታ ኣጫሪትና ክንገዝእ ስለዝደለና ነዚ ዝስዕብ ረቋሒ እተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም፡፡

ቤት መዘጋጃ ከተማ መኾኒ

በዚ መሰረት

01) ናይ ኣቁሑት ጨረታ ሰነድ ዝርዝር ስፔስፊኬሽን ዘይምለስ ብር 150 ብምኽፋል እዚ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት 14/05/2016 ዓ/ም ጀሚሩ ካብ ሰዓት 2፡30 ክሳብ 11፡30 ኣብ ስራሕ ስዓት ኾይኑ ኣብ ቤት ማዛጋጃ ከተማ መኾኒ ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 2' ምዃኑ ንሕብር፡፡

02) ብዘርፉ ናይ ዘመኑ ንግዲ ፍቃድ ናይ 2016ዓ/ም ዘሐደስኩም ክትወዳደሩ ንዕድም። 

03) ናይ 2016ዓ/ም ዝተሓደሰ ናይ መቕረባይነት ምስክር ወረቐት ከቕርብ ዝኽእል።

04) VAT ዝተመዝገበን ወርሓዊ ዲክላሬሽን ዘቕርብን፣ ናይ ከፈልቲ ግብሪ መለለይ /TIN ካሊእ ደኩመንትን ኦርጂናልን 2ተ ኮፒን ነንበይኑ ኣብ 3ተ ፓስታ ዓሽጉ ከቕርብ ዝኽእል።

05) ብናይ ባዕሉ ወፃኢ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቤት ማዛጋጃ ከተማ መኾኒ ከቕርብ /ከረክብ/ ዝኸእል።

06) ተጫረቲ ጨረታ ቅድሚ ምኽፋቱ መክበሪ ጨረታ/ቢድ ቦንድ/ኒኒ ሕድሕዶም 5000 ብር ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ብሲፒኦ ከትሕዝ ዝኽእል።

07) ጨረታ ሳዓራይ ኣብ ውሽጢ 3' ማዕልቲ ውዕሊ ክኣስር ኣለዎ ፡፡ መኽበሪ ውዕሊ ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ውሕስና ክፍሊት ብዝፍፀመሉ ዓይነት ገንዘብ ካብ ናይቲ ውዕሊ ጠቅላላ ዋጋ 10% ውዕሊ መኸበሪ ኣብ ዕደጋ መኽበሪ ጨረታ የትሕዝ ኣብ ዝተወሃቦ ማዓልቲ ዝተሓተቶ መክበሪ ዉዕሊ ዘየትሐዘ እንተኾይኑ መኸበሪ ጨረታ ይዉረስ።

08) ጨረታ መሸነፊ ምስ ተፈለጠ ኣብ ዉሽጢ 5ተ ዝተዉሃቦ ማዓልቲ ኦርጅናል ንብረት ከቕርብ ዝኽእል

09) ጨረታኣብ ኣየር ዝፀኒሓሉ እዋን ካብ ዕለት 14/05/2016ዓ/ም ክሳብ 24/05/2016 ዓ/ም ንተኸታታሊ 10 ማዕልቲ ምዃኑ ፈልጥኩም ክትወዳደሩ ንዕድም።

10) ጨረታ ሳንዱቕ ዝዕፀወሉ ግዜ ዕለት 24/05/2016 ዓ/ም ሰዓት 3፡30 ቅድሚ ሰዓት

11) ጨረታ ሰነድ ዝኸፈተሉ ግዜ ዕለት 24/05/2016 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4፡00 ኣብ ቤት ፅሕፈት ቤት ማዛጋጃ ከተማ መኾኒ ይኸዉን።

12) ጨረታ ምስ ተኸፈተተጫረቲ ኣብዘቅረብዎ ናይ መዋዳደሪ ሓሳብ ለውጢ /ምምሕያሽ ምግባርኣይክእሉን/

13) እቲ ጨረታ ተጫራታይ ወይ/ሕጋዊወኪል/ኣብዘለውሉ ይኸፈት እንተዘይቀሪቦም ድማ ብመምረሒ ጨረታ መሰረት እቲ ጨረታ ይኽፈት፡፡

14) እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡ ምስ ሰላምታ ንግስቲ ቤት ማዛጋጃ ከተማ መኾኒ ከይዲ ስራሕ ጠቅላላ አገልግሎትን ፋይናንስ ምምሕዳርን ንዝበለፀ ሓበሬታ0914167263 ወይ 0914681857

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo