ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕደር ፋይናስን ከተማ ማይ ጋባ ኣብ ቤት በጀት ዓመት 2016 ዓም ዝተፈላለዩ ኣቅሑት ማለት እዉን ኤሌክትሮኒክስ : ኣቅሑት ቢሮ ማለት እዉን ፈርኒቸር : መሳርሒ ፅሕፈት : ካልኦት ሃለቅቲ ኣቅሑትን ኣቅሑት ፅሬትን ካብ ዝምልከቶም ሕጋዊያን መቅረብቲ ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስ ከተማ ማይጋባ

1 ናይ 2016 ዓም በቲ ዘፈር ዝተሐደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎም ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ማለት እዉን ቫት ምኮኖም ወረቀት ምስክር ከቅርቡ ዝክእሉ

2 ናይ መቅረባይነት ዝተመዝገብሉ ወረቀት ምስክር ከቅርቡ ዝክእሉ

3 ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2016 ዓም ተወሳኪ እሴት ታክስ ማለት እዉን ቫት ሒሳብ ዝገበርሉ ማለት እዉን ድክላሬሽን ዝገበረሉ ናይ ኩሎም ዋና ቅዳሕን ከቅርቡ ዝክእሉ

4 መከበሪ ጨረታ ንነብሰወከፍ ሎት ማለት እዉን ሎት ሐደ ንሃለቅቲ መሳርሒ ፅሕፈት 6408 ቅርሺ : ሎት ክልተ ንመሳርሒ ፅሬት 1500 ቅርሺ : ሎት ሰለስተ ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ 20792 ቅርሺ: ሎት ኣርባዕተ ኣቅሑት ቢሮ ማለት እዉን ፈርኒቸር 5000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ብባንኪ ዝተረጋገፀ መአዘዚ ክፍሊት ቼክ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ዉሕስና ባንኪ ብስፒኦ ብሽም ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ከተማ ማይ ጋባ ዝክእሉ

5 ሰነድ ጨረታ እዚ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስስራሕ ሰዓት ዘይምለስ 200 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይከኣል

6 ጨረታ ኣብ አየር ዝፀንሐሉ እዋን ካብ 10/5/2016 ዓም ክሳብ 19/5/2016 ዓም ይከዉን

7 እቲ ጨረታ 20/5/2016 ዓም ልክዕ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4:30 ይክፈት

8 ተጫረቲ ኣብ ነብሰ ወከፍ ሰነድ ጨረታ ናይ ትካል ማህተም ናይ ዝምልከቶ ኣካል ፊርማን ኣድራሻን ከዕርፉሉ ይግባእ

9 ናይዚ ጨረታ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ 15 መዓልቲ ይከዉን

10 እቲ ቤት ፅሕፈት ድሕሪ ጨረታ ምክፋቱ 20 ሚእታዊ ናይ ምዉሳከ ወይ ድማ ናይ ምንክይ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

11 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ በሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

12 ሰዓራይ ጨረታ ንዝሰዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ ወፃኢን መጎዓዝያ ናብቲ ቤት ፅሕፈት ኣታዊ ክገብዝር ዝክእል ክከዉን አለዎ

13 ኣደራሻ ኣብ ሽረ እንዳስላሴ ግዜያዊ ቤት ፅሕፈት ቀበሌ 05 ቀጠና ሐደ ፊት ንፊት መናሃሪያ ብድሕሪ ቸርነት ኤሌክትሮኒክስ እንዳ መምህር በርሀ ሳሊሕ ህንፃ 3ይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 12 ይርከብ

ንተወሳኪ ሐበሬታ  0914270115 / 0962621818

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo