ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕደር ፋይናስን ወረዳ ደጎዓ ተምቤን ኣብ 2016 በጀት ዓመት ካልኣይ ዙር ናይ ፅሕፈት መሳርሒን ኤሌክትሮኒክስን ብምድብ መቂሉ ማለት እዉን ሐደ መሳርሒ ፅሕፈት : ምድብ ክልተ ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ : ምድብ ሰለስተ መሳርሒ ፅሬት : ምድብ ኣርባዕተ ሞተር ሳይክል : ምድብ ሓሙሽተ ናይ መኪና ኣቅሑ ብጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ሕጋዊያን ነጋዶ ክትጫረቱ ይዕድም

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ደጉዓ ተምቤን

1 በቲ ዘፈር ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዋናን ቅዳሕን ከቅረቡ ዝክእሉ

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ዋናን ቅዳሕን ከቅርቡ ዝክእሉ

3 ንተወሳኪ አሴት ታክስ ዝተመዝገቡን ወረቀት ምዝገባ 2016 ዓም ዝሐደሱን ዝተመዝገብሉን ወረቀት ዋናን ቅዳሕን ከቅረቡ ዝክእሉ

4 በቲ ዘፈር ኣብ መቅረባይነት ዝተመዝገቡ ምኮኖምን ናይቲ ዝተመዝገብሉ ዘበን ዝተሐደስሉ ወረቀት ምስክር ዋናን ቅዳሕን ከቅረቡ ዝክእሉ

5 ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ተወዳዳሪ ዝሰዓሮ ናይ ኣገልግሎት ኣቅሓ ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ ሰለስተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ደጎዓ ተምቤን በቲ ዝተሐተተ ፅሬትን መጠንን አገልግሎት ንክህብ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል

6 ናይ መወዳደሪ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ማህተምን ፊርማን ዘለዎ ክከዉን ይግባእ

7 ተጫረቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታ ሰነድ ጨረታን ምድብ ሐደ ምድብ ክልተ ሰለስተ ኣርባዕተን ሓሙሽተን ዘለዉ ዝርዝር ንብረታት ንነብስወከፍ ሰነድ ዘይምለስ 100 ቅርሺ ጥራይ እናከፈሉም ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ደጎዓ ተምቤን ቤት ፅሕፈት ቢሮ ቁፅሪ ሐደ ብምካድ ካብ 13/5/2016 ዓም ክሳብ 17/5/2016 ዓም ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ናይ ሰራሕ ሰዓት ብኣካል ብምቅራበ ሰነድ ጨረታ ዓዲጎም ክወዳደሩ ይክእሉ

8 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መከበሪ ንነብስወከፍ ሰነድ ጨረታ 3000 ቅርሺ ብሽም ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናስን ወረዳ ደጎዓ ተምቤን ብስፒኦ ወይ ብስርቲፋይድ ቼክ ወይድማ ብጥረ ገንዝብ ናብ ዝተዳለወ ናይቲ ቤት ፅሕፈት ጨረታ ሳንዱቅ ወይድማ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ ከቅረቡ ዝክእሉ

9 እቲ ጨረታ 20/5 2016 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናስን ወረዳ ደጎዓ ተምቤን ከይዲ ሰራሕ ዕደጋን ንብረትን ምምሕዳር ፋይናንስን ቢሮ ቁፅሪ 1 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይክፈት

10 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

11 እቲ ጨረታ ምስተከፈተ እቲ ቤት ፅሕፈት ናይቲ ዝዉሃቦ አገልግሎት መጠን ክሳብ 20 ሚእታዊ ከቅንስ ወይድማ ክዉስክ ይክእል እዩ

12 ሰዓራይ እቲ ዘቅረቦ ፋይናንሻል ዋጋ ቴክኒካልን ፋይናንሻልን ተደማሚሩ ብዝተጣየሸ ኮሜቴ ባዕል ሞያ ተፈቲሹ ትክክለኛነቱ ምስተረጋገፀ ብዝምፅኦ ነጥቢ ሰዓራየ ይከዉን

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0914781697  0947492334  0914134261

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo