ኣብ ቤት መዘጋጃ ከተማ መቐለ ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ዲዛይንን ህንፀትን ኣብ 2016 በጀት ዓምት ንሐፈሻዊ ሆስፒታል ከተማ መቐለ ፅገና ንምግባር ብስራሕቲ ፓኬጅ ብርኪ ፍቃድ GC 7 ልዕሊኡን ዘለዉ ተኮናተር ስራሐ ዝኮኑ አጫሪቱ ከስርሕ ይደሊ

ቤት ማዛጋጃ ከተማ መቐለ

1 ናይ 2016 ዓም ፍቃድ ንግዲ ዘሐደስሉን መረዳእታ ምዝገባ ንግዲ ወረቀት መቅረባይነት ሰርተፊኬት ከቅርብ ዝክእል

2 ኣብ ቢሮ ከተማ ልምዓትን ኮንስትራክሽን ክልል ትግራይ ዝርከብ ቀንዲ ከይዲ ስራሕ ቁፅፅር ስራሕቲን ምዝገባ ፈቃድን ከምእዉን ከተማታት ኣብያተ መዘጋጃ ዝተመዝገበሉ ን 2016 ዓም ዝተሐደሰ ብቅዓት መረጋገፂ ሰርትፊኬት

3 ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ማለት አዉን ቫት ምዝገባ ወረቀት ምስክርን ናይ ዝሐለፈ ወርሒ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ምዝገባ መረዳእታ ዘለዎም

4 ናይ ጨረታ ዉሕስና ካብ ዝተፈለጠ ባንኪታት ዝዉሃብ ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ናይ መድሕን ዉሕስና ትካል ወይድማ ብ ባንኪ ብዝዉሃብ ዝተረጋገፀ ቼክ ስፒኦ ብር 250,000 / ክልተ ሚኢትን ሓምሳን  ሽሕ / ከቅርቡ አለዎም

5 ተጫረቲ ናይቲ ዝተጫረትሉ ህንፃ ፕሮጀክተ ስራሕቲ ዉዕሊ ካብ ዝፈፀምሉ ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 240 ተካታተልቲ መዓልቲታት ዉሸጢ ዛዚሞም ከረከብ አለዎም

6 ኩሎም ተጫረቲ ካብ ዕለት 13 ጥሪ 2016 ዓም ጀሚሩ ኣብ ዋና ቤት መዘጋጃ ከተማ ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ዲዛይንን ህንፃትን 1ይ ደብሪ ኣድላይ መረዳእታት ብምሓዝን ዘይምለስ 2000 ቅርሺ ብምክፋል ክገዝኡ ይክእሉ እዩም

7 ተጫረቲ ናይ ዝጫረትሉ ፕሮጀከት ዋጋ ሰነድ ሐደ ዋና ክልተ ቅዳሕን ናይ ጨረታ ዉሕስና ሰነዳት ኣብ ዝተፈላለዩ ፖስታት ምስ ዓሸጉ ኩሎም ፖስታት ደማ ኣብ ካሊእ ዓብይ ፖስታ መሊሶም ብምዕሽግን ናይቲ ዝጫረተሉ ፕሮጀክት ስም ኣብ ልዕሊ እቲ ዓብይ ፖስታ ብማረከር ብምፅሓፍ ነቲ ጨረታ ተባሂለ ኣብ መዘጃጋ ከተማ መቐለ ቀደማይ ደብሪ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ክስብ 14 የካቲት 2016 ዓም ሰዓት 4:00 ቅድሚ ረፋድ ብኣካል ብምምፅእ ከእትዉ አለዎም

8 ተጫረቲ ኣብቲ ሰነድ ጨረታ ዝቀርበሉ ቅጥዒታት ብትክክል መሊኦም ኣብ ነብስ ወከፍ ገፅ እቲ ሰነድ ፈሪሞምን ሃቲሞምን ቅደም ሰዓብ እቲ ደኩመንት እንተይኣዛብዑ እቲ ሰነድ ከምቲ ክሽዉጥ እንተሎ ዝነበረ ከይኣጎደሉ ከቅርቡ አለዎም ዝተጎደለን ብትክክል ዘይተመልአን ቅደም ሰዓቡ ዝተዛበዐ ሰነድ ጨረታ ካብ ጨረታ ወፃኢ ይከዉን

9 እቲ ጨረታ ኩሎም ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከበሉ 14 የካቲት 2016 ዓም ልክዕ ሰዓት 4:30 ናይ ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ቤት መዘጋጃ ከተማ መቐለ ዝርከብ ቀዳማይ ደብሪ ክፍሊ ክክፈት እዩ

10 ቤት መዘጋጃ ከተማ መቐለ ከይዲ ስራሕ ዲዛይንን ህንፃን ካልእ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ በክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ ድማ 0344407332

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo