ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ንኣብያተ ትምህርትን ንቢሮን ግልጋሎት ዝዉዕሉ ኣቅሑት ንብረት ክዕድግ ይደሊ

ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ
  • ሀ  ናይ ኣካለ ጉዳኣትዝዉዕል ናዉቲ ኣቅሑት  
  • ለ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑት
  • ሐ ናይ ብሮድካስቲንግ ኣቅሑት
  • መ ፈርኒቸር
  • ረ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ
  • ሰ ናይ ኦፊስ ማሽን ፅገና ናይ ኢድ ሞያ ምስ ማተሪያሉ ከቅርብ ዝክእል

ካብ  እስካብ ሰ ዝተዘረዘሩ ዓይነት ጨረታታት ብዝተቀመጠ እስፔስፊኬሽን መሰረት ብግልፂ ጨረታ አወደዲሩ ክዕድግን ስርሕን ይደሊ

1 ንሕድሕ ዓይነት ጨረታ ዝምልከት ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘቅርብ

2 ናይ መቅረባይነት ሰርተፈኬት ማለት አዉን ምስክር ወረቀት ዘለዎም

3 መለለይ ቁፅሪ ከፋለይነት ግብሪ ማለት እዉን ቲን ናምበር ዘለዎም

4 ቫት ተመዝጋቢ ምከኑ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

5 ናይ ወርሒ ሰነ 2015 ዓም ቫተ ድክለሬሽን ዘቅርብ

6 ዓቅሚ መፍረይትን ርክክብ ዝምልከት ኣብ ናየ ፈርኒቸር ዝወዳደር ኣካላት መብራህቲ እንትጠፍእ ብዘይምቁራፅ ብናይ ባዕሉ ጀነሬተር ተጠቂሙ ዝሰርሕ

7 ጨረታ ሰነድ ዝሽየጠሉ ቦታ ኣብ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዳይሬክቶሪት ዕድጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳር ቀዳማይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 12 እንትከወን ከብ ሀ እስካ ሰ ዝተዘርዘሩ መሸጢ ዋጋ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይከኣል

8 ጨረታ ሰነድ ዝሽወጠሉ እዋን ጨረታ ምልክታ ብሬዲዩን ቴሌቭዥንን ምስተጋወሐ

9 ጨረታ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 13/5/2016 ዓም ጀሚሩ ከሳብ 22/5/2016 ዓም ከሉ ግዘ ኣብ ሰራሕ ሰዓትመዓልትን ጨረታ ሰነድ ዝሽወጥ ይከዉን

10 ተጫረቲ መሊኦም ዘቅርብዎ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ ኣይግባእን እንተዘይኮይኑ ተቀባልነይ ክህልዎ ኣይግባእን

11 ተጫረቲ ንኤሌክትሮነክስ ኣቅሑትን ናዉቲ ብሮድካስቲንግ ኣቀሑትን ፋይናንሻል ቴክኒካልን ዶክመንት ብዝተቀመጠ እስፐስፊኬሽን መሰረት ናይ ባዕል ዋና ማህተም ዘለዎም ብናይ ቢሮ መምሊኢ ቅጠዒ ጨረታ ሰነድ ኦርጅናልን ቅዳሕን ነንበይኑ ብፖስታ ዓሺጐም ክሳብ ዕለት 22/5/2016 ዓም ሰዓት 845 ናይ ቀትሪ ናብ ዝተዓሸገ ሳነዱቅከእትዉ ይግባእ

12 ናይ ባዕል ዋና ማህተም ዘለዎ ፋይናንሻልን ቴክኒካልን ዶክመንት ብዝተቀመጠ እስፔስፈኬሽን መሰረት ብናይ ቢሮ መምልኢ ቅጥዕን ኦርጅናል ቅዳሕን ነንበይኑ ብፖስታ ዓሺጉ ክሳብ ዕለት 22/5/2016 ዓም ሰዓት 8:45 ከቅርብ ይግባእ 8:45 ቀትሪ ምስኣከለ ጨረታ ሳንዱቅ ይዕሸግ በቲ ዕለት ንሱ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረከብሎም ድማ ሰዓት 9:00 ጨረታ ዝክፈት ይከዉን

13 መክበሪ ጨረታ ዝምልከት ናይ ኣካለ ጉዳኣትዝዉዕል ናዉቲ ኣቅሑት:  ንናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑት :ናዉቲ ብሮድካስቲንግ ኣቅሑት : ፈርኒቸር ኣቅሑት ንሕድሕድ 150000 / ሚኢትን ሓምሳን ሽሕ ቅርሺ /  :ፅሕፈት መሳርሒ  50000 / ሓምሳ ሽሕ ቅርሺ  : ንፅገና ኦፊስ ማሽን 10000 / ዓሰርተ ሽሕ ቅርሺ / ብስፒኦ ከትሕዝ ይግባእ

14 ተጫረቲ ሰዓራይ ምኮኑ ብደብዳቤ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሸጠ 5 ናይ ሰራሕ መዓልቲታት ዉዕሊ ይኣስር

16 ካብቲ ዝሰዓሮ ንብረት ሕጋዉነቱ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ዉሕስና ብምትሓዝ ዉዕሊ ክኣስር ይግባእ

15  ጨረታ ሰዓራይ ዉዕሊ ካብ ዝተፈፀመሉ ዕለት ጀሚሩ  ብጀካ ፅገና ማሽን ንዝተረፈ ኣብ 30 ተከታታሊ ማዓልቲታት ዝተረፉ ሕድሕድ ንብረት  ኣብ ዉሽጢ 45 መዓልቲ ተከታተልቲ መዓልቲታት ኣብ ቢሮ ትምህርቲ ፅሬቱ ብባዕል ሞያ አረጋጊፁ ናብ ንብረት ክፍሊ አታዊ ክገብር ዝክእል

17 ዝኮነ ተጫራታይ ብዛዕባ እቲ ጨረታን ካልእ መብራርሂ ዘድልዩ እንተኮይኑ ብፅሑፍ ጥራሕ ምሕታት ይከኣል

18 እቲ ቢሮ ዝሐሸ አማራፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0344403477 / 0344408299

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo