ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስን ክፍሊ ስርዓት ዕደጋን ምምሕዳርን ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ካብ ቤት ፅሕፈት ዘፈር ቁጠባ ልምዓት ከይዲ ስራሕ ህንፀት ልምዓት መስኖ ካብ ናይ KGGCF በጀት ዝስራሕ ካናል ኮሮሲንግ ንክጫረተሎም ብዝተላኣከልና ሕቶ ዕድጋ መሰረት ኣብ ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ጣቢያ ማይ ጥምቀት ንዝስራሕ መስኖ ግልጋሎት ዝዉዕል ካናል ኮሮሲንግ ብውድድር ከጫርት ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምና ፋይነስን ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ

1 ደቀቅሪ ንግዲ ትካላት ብርኪ 9 ዝኮነ

2 ብማይ ኮንስትራክሽን ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ንግዲ ፈቃድ ዘለኩም

3 ብዳኣንት ዝተወደበ ብርኪ ዝገልፅ ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ደኣንት ሰርተፊኬት ዘለኩም

4 ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ብቅዓት መረጋገፂ ዝሓዝኩም

5 ቫት ተመዝገብቲ ዝኮንኩም

6 ካብ ሓምለ እሳክ 30 መስከረም 2016 ዓም ቫት ሪፖርት ከቅርብ ዝክእል

7 ቲን ናምበር ዘለዎም

8 ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ምስክር ወረቀት መቅረባይነት ዘለወም ወይ ኣብ ዕደጋ ንብረት ምምሕዳር ዝተዳለወ መርበብ ሐበሬታ ዝተመዝገበ ምኮኑ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

9 መክበሪ ጨረታ 30000 / ሳላሳ ሺሕ ቅርሺ / ብጥረ ወይ ብስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል

10 ኣብ ዝምላእ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ ኣይግባእን እንተሃልይዎ ናይ ባዕል ዋና ፊርማን ማህተምን ክህልዎ ግድን ይብል ተዘይኮይኑ ካብ ጨረታ ወፃኢ ይከዉን

11 ተጫረቲ ኣብ ተቅርብዎ መወዳደሪ ሰነድ ሕድሕድ ገፅ ሽም ኣድራሻ ማህተምን ክዓርፎ አለዎ

12 ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዕት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ክፍሊ ዕደጋ ምምሕዳርን ቁፅሪ 17 ንሐደ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 200 ቅርሺ እናከፈልኩም ካብ ዕለት 7 /5/2016 ዓም ክሳብ 20/5/2016 ዓም እንዳመፃእኩም ክትወስዱ ትክእሉ

13 ጨረታ ሳንዱቅ 27/5/2016 ዓም ሰዓት 4:00 ረፋድ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ንሱ ሰዓት 4:30 ረፋድ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት ይኩን እምብር ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ብዘይ ምርካቦም ከይዲ ምክፋት ጨረታ ኣይተኣጎጎልን

14 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪኑ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0342440307

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo