ጨረታ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ንኮዋሽ ፕሮጀክት ግልጋሎት ዝውዕል ናይ መኪና መለዋወጢ አቑሑትን ጎማን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ሕጋውያን ነጋዶ ክትወዳደሩ ንዕድም።

ኤጀንሲ ማዓድንን ኢነርጅን ክልል ትግራይ

 ስለዚ እዚ ዝስዕብ ሮቋሕታት እተማልኡ ተጫረቲ ንክትወዳደሩ ንዕድም

1. ናይ ዘመኑ 2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ፣ ዝተሓደሰ መቅረባይነት ሰርቲፊኬት፣ ቲን ቁፅሪ /TI NO/ ናይ ቫት ምዝገባ ሰርቲፊኬት፣ ናይ 2016 ዓ/ም ናይ ወርሒ ጥቅምቲ ቫት ዲክለሬሽን ዘቅርብ።

2. ዝተዳለወ ስፔስፊኬሽን ካብ መደበኛ ጉጅለ ዕደጋ፣ ካብ ጨረታ ዝወፀሉ ዕለት 10/05/2016 ዓ. ም. ጀሚሩ ክሳብ 01/06/2016 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዜ ንሕድሕድ ዓይነት ጨረታ ዘይምለስ ብር 100 ብምክፋል ምውሳድ ይክኣል።

3. ናይ ጨረታ መኸበሪ 10,000 ብር CPO ሒዞም ክቐርቡ ኣለዎም።

4. ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 01/06/2016 ዓ/ም ስዓት 3:00 ናይ ንጉሆ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 3:30 ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላት ኣብ ዘለዉዎ ይኸፈት።

5. አብ ውሽጢ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ኦርደር ምሰ ወሰደ ካብ ዝሰዓሮ 10% cpo ኣትሕዙ ውዕሊ ክኣስር ኣለዎ።

6. ኣብቲ ጨረታ ሰነድ ፊርማን ክቢ ማህተምን ክዓርፈሉ ኣለዋ።

7. ኣብ ዝቀረበ መረዳእታ ዝሃሰሰ ወይ ስርዝ ድልዝ እንተኮይኑ ተቀባልነት የብሉን ።

8. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ብክልተ ፖስታ ነኒ በይኑ ሐደ ኦርጅናል ሐደ ኮፒ ዝተዓሸገ ፖስታ ከቅርብ ዝክእል።

9. ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

10. ኣድራሻና ቢሮ ማይን ኢነርጅን መደበኛ ጉጅለ ዕደጋ ቢሮ ቁፅሪ 13 ::

11. ናይ ጨረታ መዕፀውን መኸፈትን በዓል እንተዊዒሉ ኣብ ዝቕፅል ናይ ስራሕ መዓልቲ ይኸውን።

12. ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪቁፅሪ 0951166765/0914704663 ደውልካ መብርሂ ምሕታት ትኽእሉ።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo