ቢሮ ኢንዱስትሪ ክልል ትግራይ ተሽከርከርቲ ኣወዳዲሩ ውዕሊ ብምእሳር ክካረይ ስለዝደለየ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒ እተማልኡ ክትወዳደሩ ይዕድም:-

ቢሮ ልምዓት ከተማ ንግድን ኢንዱስትርን ክልል ትግራይ

➢ በቲ ዓውደ ስራሕ ናይዚ ዘመን ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎምን መረዳእታ ከቕርቡ ዝኽእሉን፣

➢ መፍለዪ ቁፅሪ TIN (Tax Identification Number) ሰርተፊኬት ዘቕርቡ፣

➢ ተወዳደርቲ መረዳእታኹም ፎቶ ኮፒ ገይርኩም ዋጋ መሊእኩም ብዝተዓሸገ ፖስታ ብምትሕሓዝ ካብ 10/05/2016 ክሳብ ዕለት 14/05/2016 ዓ.ም ኣብ ስራሕ ሰዓት ኣብ ክ/ከተማ ሓወልቲ ፊት ንፊት ፕላኔት ሆቴል ዝርከብ ሰናይ ዘበን ህንፃ 4 ደብሪ ቢሮ ኢንዱስትሪ ክልል ትግራይ(ዕዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንስ ንብረት ምምሕዳር) ኸተቕርቡ ንዕድም፡፡

➢ ግልጋሎት ዝወሃበሉ ን10 (ዓሰርተ) መዓልቲ ይኸዉን፣

➢ ዝቐርብ ደኩመንት ብንፁር ብዝረኣየሉ መንገዲ ኮፒ ተገይሩ ክተሓሓዝ ኣለዎ ብንፁር እንተዘይተራእዩ ግን ካብ ውድድር ወፃኢ ከም ዝኸውን ነፍልጥ፡፡

➢ ተጫረቲ ዝመልእዎ ዋጋ ቫት ዝሓዉስን ዘይሓዉስን ምዃኑ ብንፁር ከቐምጡ ይግባእ ብንፁር ነዘይ ኣቐመጡ ግና ሻት ከምዝሓወሰ ርዱእ ተገይሩ ይዉስድ፡፡

➢ ቤት ዕዮ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ፕሮፎርማ ብኸፋል ይኹን ሙሉእ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝታሓለወ እዩ።

ዝርዝር ዓይነታት ግልጋሎት


ተ.ቁዓይነት ንብረትመዐቐኒበዝሒመዓልታዊ ኪራይ ዋጋ ሓደ መኪና
1ናይ ፊልድ ተሽከርከርቲ
➢ ናይ ስራሕ ቦታ
. . ዞባ ምብራቕ - (ኣዕቢ፣ብዘት፣ ሓውዜን፣ ፍረወይኒ፣ ዕዳጋ ሓሙስ (ስፓ ማይ)፣ ዓድግራት፣ ውቕሮ፣)
• ዞባ ማእኸላይ (ዓብይ ዓዲ፣ ማይቀነጣል፣ እ/ፃሕማ፣ እንባስነይቲ፣ ዓዴት፣ራማ ዓዲ ኣርባዕተ፣ እገላ፣ ኣክሱም፣ ዓድዋ፣)
. ዞባ ሰሜን ምዕራብ - (ሸራሮ፣ ክሳድ ጋባ፣ ዓድ ዳዕሮ፣ ዓድሃገራይ፣ ሽረ፣ ስንዳባጉና፣ ፅምብላ(ፋብሪካ ማይ ወይኒ፣)
ዞባ ደቡብ – (እምባ ኣላጀ፣ ባሕሪ ፀባ፣ ዓድጉደም፣ ቦራ፣ ስላዋ፣ ማይጨው፣ ነቕሰጥ፣ መኾኒ፣)
ዞባ ደቡብ ምብራቕ - (መቐለ፣ ሃገረ ሰላም፣ ሳምረ፣ ኣሸጎዳ (ኢታካ ጨርቃ ጨርቅ ፋብሪካ)
➢ ዓይነት ተሽከርከርቲ- ኮብራ ሞዴል 105
➢ ናብ ሕድሕድ ዞባ ሓደ ሓደ መኪና ይምደባ
➢ ነዳዲ ብበዓል መኪና ዝምላእ ይኸውን
➢ ክፍሊት ዝፍፀም ድሕሪ ግልጋሎት ኮይኑ ቤት ዕዮ ብቑዕ ግልጋሎት እንተዘይረኺቡ ክፍሊት ክፍፅም ኣይግደድን
ቁፅሪ50

ተወሳኺ ሓበሬታ:- ኣብ ክ/ከተማ ሓወልቲ ፊት ንፊት ፕላኔት ሆቴል ኣብ ዝርከብ ሰናይ ዘበን ህንፃ 4 ደብሪ ቢሮ ኢንዱስትሪ ክልል ትግራይ።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo