ኤጀንሲ ልምዓትን ምምሕዳርን ኣባይቲ ክልል ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ 12 ናይ ንግዲ ገዛውቲ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከካሪ ይደሊ፡፡

ኤጀንሲ ልምዓት ኣባይቲ

ማለትወን 9 ናይ ንግዲ ገዛ ንኩሎም ነጋዶ እንትክውን 3 ናይ ንግዲ ገዛ ድማ ንኣካልጉዳኣትኹናትን ንስድራ ስወኣትን ነጋዶ ይኾወን። ስለዚ ኣብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ እትደልዩ

1. ናይ 2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ ፡

1.1 ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለዪ ቑፅሪ /TiN

2. ነቲ ናይ ንግዲ ገዛ ፅገና ዛድልዮ እንተኾይኑ ብናይ ባዕሉ ወፃኢ ኣፀጊኑ ንምክራይ ዝኽእል።

3. ኣብ ናይ መንግሰቲ ናይ ንግዲ ኣባይቲ ጨረታ ዝሳተፉ ተጫረቲ ኣብ ናይ መንግስቲ ኣባይቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ምጭብርባርን ዘይሕጋዊ ስራሕ ዘይሰርሑን መጠቅቕታ ዘይብሎም።

4. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ ብር 300.00 ( ሰለስተ ምኢቲ ብር) ብምኽፋል ካብ ቢሮ ቁፅ 15 ምውሳድ ይኸእሉ፡፡

5. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ነዚ ተባሂሉ ኣብ ኤጀንሲ ልምዓትን ምምሕዳርን ኣባይቲ ክልል ትግራይ ኣብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቕ ካብ ዕለት 08/05/2016 ዓ/ም ክሳብ 22/5/2016 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ምእታው ይኸእሉ፡

6. እቲ ጨረታ ዕለት 22/05/2016 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 9:30 ይኽፈት፡፡

7. ኣብ እዋን ጨረታ ምኽፋት ተጫረትቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም እንተተረኸቡ ይምረፅ፡፡

8. ናይ ጨረታ መኽበሪ ብር 30,000.00 (ሳላሳ ሽሕ ብር) ሲፒኦ ወይ ናይ ባንኪ ውሕስና ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ከትሕዙ ኣለዎም፡፡

9. እቲ ኤጀንሲ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ፡፡

10. ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልክታት ቁፅሪ 0344418515/ሞባይል0914778288/0953023396 ወይድማ ብኣካ ብምቕራብ ምሕታት ይከኣል፡፡

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo