ቤት ህንፀት መቐለ ኣብ 2016 ዓም በጀት ዓመት ናይ ዝተፈላለየ ኤሌክትሮኒክስ ንብረት ናይ ኢድ ሞያ ጥራሕ ንምፅጋን ካብ ፍቃድ ዘለዎም ነጋዶ አወዳዲሩ ንሐደ ዓመት ዉዕሊ ኣሲሩ ግልጋሎት ክረክብ ይደሊ

ማእኸል ቤት ህንፀትመቐለ

1 ተጫረቲ በዚ ስራሕ ዘርፊ እዚ ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ስራሕ ፍቃድን መቅረባይነት ኮፒ ከቅርብ ዝክእል

2 ቲን መፍለይ ቁፅሪ ዘለዎ ኮፒ ከቅርብ ዝክእል ከምኡ ድማ እቲ ዝተመለአ ዋጋ ጨረታ ድሕሪ ምክፋቱ ን 7 መዓልቲ ፀኒዑ ዝፀንሕ ኮይኑ ሰዓራይ ዝኮነ ትካል እቲ ዝፅገን ንብረት ክፅግን ምስተነገሮ ኣብ ዉሽጢ 2ተ መዓልቲ ናብ ቤት ህንፀት መቐለ ብኣካል ብምምፃእ ብፅሬትን ሰለጤንን ፀጊኑ ከረክብ ዝክእል

3 ሰዓራይ ትካል ንዝሃቦ ግልጋሎት ዝከፈሎ ብር ልዕሊ 3000 /ሰለስተ ሽሕ/ ተኮይኑ ዊዝ ሆልድ ታክሲ 2 ሚእታዊ ይከፈል ኣብዚ ጨረታ ቫት ተመዝገብቲ ዘይኮኑ እዉን ክወዳደሩ ይክእሉ እዩም

4 ተወዳደርቲ ናይ ሐደ ዋጋን ጠቅላላ ዋጋን ቫት ተመዝጋቢ ዝኮነ ድማ ምስቫቱ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ማሕተም ፌርማን ብምግባር ኣብ ሰነድ ጨረታ ዋጋ መምልኢ ተመሊኡ ከቅርብ አለዎ

5 እዚ ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 7/5/2016 ዓም ክሳብ 10/5/2016 ዓም ሰዓት 3:30 ፀኒሑ ሰዓት 4:00 ይከፈት ሰዓራይ ዝኮነ ትካል ሰዓሪ ኮይኑ ምስተነገሮ ኣብ ዉሽጢ ክልተ መዓልቲ 5000 ብር ብጥረ ገንዘብ ዉዕሊ መከበሪ ከትሕዝ ዝክእል

6 መስራቤትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

7 ንተወሳኪ ሐበሬታ ብኣካል ወይ ብስልኪ ቁፅሪ 0942659419 / 0914120805 ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo