ዓ/ዓዲ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይ 2016 ዓ/ም ንኣጠቓላሊ እቲ ዓመት ስራሕ መካየዲ ግልግሎት ዝውዕል ናይ ማይ ትቦን መገጣጠምን ቆፀርትን ስዊች ቦርድ መገጣጠሚ ብግልፂ ጨረታ ኣጫሪቱ ክዕድግ ይደሊ።

ቤት ፅሕፈት ግልጋሎ ቀረብ መስተ ማይ ከተማ ዓ/ዓዲ

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ዓ/ዓዲ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይ 2016 ዓ/ም ንኣጠቓላሊ እቲ ዓመት ስራሕ መካየዲ ግልግሎት ዝውዕል ናይ ማይ ትቦን መገጣጠምን ቆፀርትን ስዊች ቦርድ መገጣጠሚ ብግልፂ ጨረታ ኣጫሪቱ ክዕድግ ይደሊ። ስለዚ ክትጫረቱ እትደልዩ ናይ 2016 ዓ/ም ንግዲ ፍቓድ ዝተሃደሰ ፣ቲን መፍለይ ቁፅሪ ዘለኩም ፣ ቫት ተመዝገብቲ ምዃንኩም መረዳእታ መለለይ ካርድን ዘለኩም፣ ናይ መቕረባይነት ወረቐት ዘለኩም ክትወዳደሩ ስለ እትኽእሉ ናብ ትካልና (ቤትፅሕፈትና) ብምምፃእ ዝርዝር ናይቲ ኣቑሑት ዝሓዘ ሰነድ ብር 300.00/ ሰለስተ ሚኢቲ/ ዘይምለስ ብምኽፋል ካብ ዓ/ዓዲ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምም/ርን ብኣካል ብምቕራብ ካብ ዕለት 05/05/2016 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 21/05/2016 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዜ ውሽጢ ሰነድ እናመፃእኹም ክትወስዱ(ክትዕድጉ) ከም እትኽእሉ እናገለፅና ተጨራታይ እዞም ቀፂሎም ዘለው ነጥቢታት ኣብቲ ሰነድ ጨረታ ከማልእ ይግባእ ፡፡

1. ናይ 2016 ዘመን ግብሪ ዝኸፈለሉ (ዘሃደሶ) ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ፎቶ ኮፒ ምቅራብ

2. ዝተመዝገበሉ መለለይ ካርዲ /Tin/ ፎቶ ኮፒ ምቅራብ

3. ናይ ተወሳኺ እሴት ታክስ /ቫት/ ምስክር ወረቐት ዘለዎን ዝከፍልን ፎቶ ኮፒ ምቅራብ

4. ናይ መቕረባይ ምስክር ወረቐት ኮፒ ናይ 2016 ዝተሓደሰ ከቕርብ ኣለዎ

5. ናይቲ ጨረታ መክበሪ ናይ ማይ ትቦን መገጣጠምን ቆፀርትን 500,000 ብር( ሓሙሽተ ሚኢቲ ሽሕ ብር )ናይ ስዊች ቦርድ መገጣጠሚ 5000(ሓሙሽተ ሽሕ ቅርሺ)፣ናይ ፅሕፈት መሳርሒ3000ቅርሺ(ሰለስተ ሽሕ ቅርሺ) ብኣፍልጦ ዘለዎ ባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ክትሕዝ ዝኽእል

6. ቫት ሓዊሱ ክመልእ አለዎ

7. ግዚኡ ዝሓለወ ዴክላረሽን ዝኸፈለሉ መረዳእታ ፅሕፍ ኣብ ዝወዳደረሉ ፖስታ ዓሽጉ ከቕርብ ኣለዎ፡፡

9. እቲ ዝተዳለወ ሳዕን ክሳብ ዕለት 21/05/2016 ዓ/ም ሰዓት 8፡20 ናይ ድሕሪ ሰዓት ክፍቲ ኮይኑ ይፀንሕ ፡፡

10. እቲ ዝተዳለወ ሳዕን ዕለት 21/05/2016 ዓ/ም ሰዓት 8፡21 ናይ ድሕሪ ሰዓት ይዕሸግ፡፡

11. ጨረታ ዝኽፈተሉ ቦታ ዓ/ዓዲ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይ ከይዲ ስራሕ ዕ/ፋ/ን/ምም/ር ኮይኑ በቲ ዕለት ንሱ 21/05/2016 ዓ/ም ሰዓት 8፡30 ናይ ድሕሪ ሰዓት ተጫራታይ ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣብ ዝተረኸብሉ ይኹን ኣብ ዘይተረኸብሉ እውን እቲ ጨረታ ፖስታ ይኽፈት "

12. ዘሸነፈ ተጫራታይ ንዘሸነፈሎም ኣቁሑት መጓዓዓዚ ኾነ መፅዓንን መራገፍን ባዕሉ ናብ ዓ/ዓዲ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይ የርክብ፡፡

13. ተጨራታይ እቲ ጨረታ ኣሺንፍካ ተባሂሉ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ናይ ስራሕ መዓልቲታት ውዕል ብምእሳር ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ተከታተልቲ ስራሕ መዓልቲታት ንብረት የቕርብ፡፡

14. ብኣሸናፍነት ተመዝጊቡ ብእዋኑ ንዘይኣቕረበ ኣቑሑት በቲ ናይ ጨረታ ደንቢመምርሒ ዕደጋ ቁፅሪ 3/2009 ዝእዝዞ መሰረት ኣብ መዓልቲ /100 ብር እናተቐፀዐ እቲ ንብረት ይቕርብ ፡፡

15. ዝኾነ ተጫራታይ ናይ ጨረታ ዋጋ ኣብቲ ዝወሰዶ ዝተዳለወ ባዶ ጨረታ ሰነድ ብትክክል ኣቐሚጡ ክወዳደር ኣለዎ ካብኡ ወፃኢ ብካሊእ ሰነድ ዘቕርብ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይቕበሎን ውድቂ ይኸውን፡፡

16. ካብ ስፔስፊኬሽን ወፃእን ኣብቲ ቅጥዒ መብርሂ ኣብ ዝብል ምምላእን ኣይፍቀድን

17. ኣብ ዘቕርቦ ናይ ጨረታ ሰነድ ሽሙ ፣ ፌርሙኡን ኣድራሽኡን ማህተም ናይቲ መቕረባይ (ድርጅት) ብትክክል ዘየቐመጠ ንምንባብ ኣፀጋሚ ዝኾነ ፊደል ወይ ኣሃዝ ዘቐመጠ ብቀጥታ ካብቲ ጨረታ ይስረዝ፡፡

18. እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልው እዩ።

19. ኮምፒተር ቀለም ን6ተ ወርሒ ጋራንት ውሕስና ክህብ ዝኽእል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo