ሓፈሻዊ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ከተማ ሽራሮ ን 2008 ዓም ንቲ ቤት ትምህርቲ ግልጋሎት ዝዉዕሉ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ፣ኤለክትሮኒከስ፣ ዕጥቅታት ስፖርት፣ ጨርቃ መርቂ፣ ህንፃ መሳርሒ ፣ናይ ፅሬት አቁሑትን፣ ፈርኒቸርን ፣ኤለክትሪክ አቁሑትን ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ብግልፂ ጨረታ አወዳዲጉ ክዕድግ ይደሊ

ሓፈሻዊ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ከተማ ሽራሮ

ስለዚ ኣብዚ ጨረታ ክትሳተፉ እትደልዩ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም

  1. ኣብ ናይ ፋይናንስ መቅረባይ ማለት እዉን ሊሰት ኦፍ ሳፕላየር ዝርዝር ዝተመዝገብኩም ዘሐደስኩምን
  2. ናይ 2007 ዓም ግብሪ ዘመን ዝከፈልኩምን ናይ 2008 ዓም ድማ ንግዲ ፍቃድ ዘሐደስኩም
  3. ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ማለት እዉን ቫት ዝተመዝገብኩም
  4. ቲን ማለት እዉን መለለዩ ከፋላይነት ግብሪ ምስክር ወረቀት ዘለኩም
  5. ኩሉ መረዳእታኩም ቅዳሕ ብምግባር ናይ ዋጋ መቅረቢ ዝርዝር ሰነድ ብምትሕሓዝ ዓሺጉም ኣብ ሳንዱቅ ጨረታ ክተእትዉን ዋና መረዳእታኩምን ክተቅርቡ ትክእሉ
  6. ኣብ እዋን ጨረታ መተኣማመኒ ዝከዉን ብጥረገንዘብ ወይድማ ብሕጋዊ ቼክ ማለት እዉን ሲፒኦ 3000 ቅርሺ ክተትሕዙ ይግባእ
  7. እቲ ንብረት ብናይ ባዕልኩም መጋዕዝያ ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ናብ ቤት ፅሕፈት ብምእታዉ ናብቲ ቤት ፅሕፈት ንብረት ክፍሊ ክተረክቡ ትክእሉ ሰዓርቲ ምካንኩም ምስተፈለጠ ድማ ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልትታት ዉዕሊ ክትአስሩ እትክሉን
  8. ካብ ዝሰዓርኩምዎ ጠቅላላ ዋጋ ብጥረገንዘብ ማለት እዉን ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሕጋዊ ሲፒኦ ማለት እዉን ቼክ 10% ክተትሕዙ ይግባእ
  9. ካብቲ ዝተቀመጠ መዓልቲ ወይዉን ገደብ እንተሕሊፍኩምÂ ኣብ ዉሽጢ 1 መዓልቲ 0.1% ካብ ጠቅላላ ዝሰዓርዎ ዝቅፅዑ ኮይኖም ናይ መቅፃዕቲ መጠን ካብ ዝሰዓርዎ ልዕሊ 10% እንተኮይኑ ዉዕሊ ፈፃሚ አካል ዉዕሊ ናይ ምስራዝ መሰል አለዎ
  10. ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 25 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ሽራሮ ሓፈሻዊ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ከይዲ ስራሕ ፋይናንስን ምምሕዳርን ከፊልኩም ክትወስዱ ንሕብር
  11. ሰነድ ጨረታ ካብ 06/ 07 /2008 ዓም ክሳብ 21/ 07/ 2008 ዓም ኣብ ግዘ ስራሕ ክትወስዱ ንዕድም
  12. ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 21 /07 /2008 ዓም ሰዓት 400 ረፋድ ኮይኑ በቲ ዕለት ሰዓት 430 ይክፈት
  13. ናይ ነፍስወከፍ ንብረት ዋጋ ኣብ ናይ ባዕልና መቅረቢ ዝርዝረ ሰንጠረጅ ጥራሕ ክምላእ ይግባእ
  14. እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰል አለዎ

ንተወሳኪ ሓበሬታ 0345500128 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo