ማይጨዉ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ኣብ በጀት ዓመት 2016 ዓም ንምምሃር ምስትምሃርን ንካልኦት ግልጋሎት ዝዉዕል መሳርሒ ህንፃ ወይ እዉን ማኒፋክቸሪንግ ኮንስትራካሽን : ዋተር ቴክኖሎጂ : ኤሌክትሪካል ቴክኖሎጂ: መሳርሒ ፅሕፈት :ኣቅሑት ፅሬት : ኣቅሑት አዉቶ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደሊ ንተወዳደርቲ ይዕድም

ማይጨዉ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ

ማይጨዉ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ኣብ በጀት ዓመት 2016 ዓም ንምምሃር ምስትምሃርን ንካልኦት ግልጋሎት ዝዉዕል መሳርሒ ህንፃ ወይ እዉን ማኒፋክቸሪንግ ኮንስትራካሽን : ዋተር ቴክኖሎጂ : ኤሌክትሪካል ቴክኖሎጂ: መሳርሒ ፅሕፈት :ኣቅሑት ፅሬት : ኣቅሑት አዉቶ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደሊ ንተወዳደርቲ ይዕድም

1 ናይ 2016 ዓም ግብሪ ዝተከፈለን ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ መረዳእታ ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል

2 ግብሪ ከፋሊ ንምኮኑ መለለይ ከፋላይ ግብሪ መረዳእታ ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል

3 ኣብ ተወሳኪ አሴት ታክስ ዝተመዝገበ ምኮኑ ክሳብ 30 ጥቅምቲ 2016 ዓም ዝከፈለሉ ድክላሬሽን ናይ መቅረባይነት ዝተመዝገበ ምከኑ መረዳአታ ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል

4 ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ መከበሪ ጨረታ ድሕሪ ዉዕሊ ምእሳር ዝምለስ ንሎት ሐደ A ሰለስተ ሽሕ ቅርሺ /3000/ :ንሎት ሐደ B / ሰለስተ ሽሕ ቅርሺ / 3000 : ንሎት ሐደ C ሰለስተ ሽሕ ቅርሺ /3000/ : ንሎት ክልተ ሰለስተ ሽሕ ቅርሺ /3000/ :ንሎት ሰለስተ / ክልተ ሽሕ ቅርሺ / 2000 :ንሎት ኣርባዕተ / ሰለስተ ሽሕ ቅርሺ / 3000 :ንሎት ሓሙሽተ / ክልተ ሽሕ ቅርሺ / 2000 ካብ ሃገራዊ ባንኪ ኢትዩጰያ ኣፍልጦ ብዝተዉሃቦ ባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ አቀዲሞ ከትሕዝ ዝክእል

5 ኣብቲ ጨረታ ዝሰዓረ ምኮኑ ምስተነገሮ ኣብ ዉሽጢ 3 ናይ ስራሕ መዓልቲ ዉዕሊ ኣሲሩ ኣብ ተከታታሊ 10 መዓልቲ ዝሰዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ኣብ ማይጨዉ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ከቅርብ ዝክእል

6 ካብ 30 ታሕሳስ 2016 ዓም ክሳብ 14 ጥሪ 2016 ዓም ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ማይጨዉ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ቢሮ ቁፅሪ 4 ዘይመለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ኩሉ ግዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት ካብ ሰዓት 2:30 ክሰብ 6:30 ከምኡ ድማ ድሕሪ ቀትሪ ካብ 7:30 ክሳብ 11:00 ኣብ ዘሎ ግዜ ሰነድ ገዜእኩም ምዉሳድ ትክእሉ

7 ዝተወዳደርሉ ዋጋ ዋናን ቅዳሕን መሊእኩም ከምኡድማ ዝወሰድክምዎ በዓል 26 ገፅ ሰነድ ጨረታ ኣብ ሕድሕድ ገፅ ናይ ተጨረታ ፊርማን ማሕተምን ብምግባር ብምትሕሓዝ ብዝተዓሸገ ፖስታ ኣብ ማይጨዉ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ቢሮ ቁፅሪ 4 አብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ክተእትዉ ትክእሉ

8 ጨረታ 14 ጥሪ 2016 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት 14 ጥሪ 2016 ዓም ሰዓት 4:30 ቅድም ቀትሪ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረከብሉ ኣብ ማይጨዉ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ቢሮ ቁፅሪ 4 ይክፈት

9 ንሐደ ንብረት ክልተን ልዕሊኡን ክልተ ተወዳደርቲ ማዕረ ዋጋ ተመሊኦም ዳግም ክወዳደሩ ይግበር በዚ እወን እዉን መዕረ እንተመፂኦም ብዕጫ ይፍለዩ

10 ኣብ ጨረታ ሲዒሩ ዉዕሊ ንምእሳር ፍቃደኛ ዘይኮነ ተጫራቲ መከበሪ ጨረታ ዘትሓዞ ገንዘብ ኣይምለሰሉን

11 ኣብ ዋጋ መምልኢ ቅጥዒ ስርዝ ድልዝ ኣይፈቀድን ስርዝ ድልዝ እንተሃልዩ ድማ ብባዕል ዋና ኣብቲ ስርዝ ብፊርማ ክረጋገፅ አለዎ ኣዓርዩ ዝተባላሸወ ግና ንዉድድር ኣይቀርብን

12 ናይ ሕድሕድ ንብረት መዓቀኒ ብነፀላ ወይ ብፓኬጅ ኣስተዉዒሎም ዋጋ ይመልእ

13 ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

14 ሰዓርቲ ምኮንኩም ምስተነገረኩም ምስቲ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታዉ ብዝተዉሃበኩም ግዝ ገደብ ኣታዊ ንክተግብሩ ነፍልጥ

ንተወሳኪ 0347770028 ብቁፅሪ ስልኪ ደዊልካ ምሕታት ይከኣል እዩ ወይድማ ብቁፅሪ ፋክስ 0347770550 ምልኣክ ይከኣል እዩ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo