አብ ቤተ መዘጋጃ ከተማ ራማ ዓዲ ኣርባዕተ ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ዝተዋደደ መሰረት ልምዓት ኣብ 2016 በጀት ዓመት ኣብ ጣቢያ ብርሽዋ ካብ ዋና ፅርጊያ ሒዙ ናብ መነሃሪያ ዘዉርድ ናይ ተፋሰስ ስራሕቲ ንምስራሕ ደረጃ 8 BC/GC ብርኪ ፍቃድ ደቂቅ ንግዲ ትካላት ዘለዎም ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ብናይ ኮንስትራክሽን ብማሕበር ወይድማ ብዉልቀ ደኣንት ዝተወደቡ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ

ቤት መዘጋጃ ከተማ ራማ

1 ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ቤት ፅሕፈት ልምዓት ቁጠባ ዝተዉሃቦ ምስክር ወረቀት ዘሐደሱ ንግዲ ምዝገባ ምስክር ወረቀት ንግዲ ፈቃድን ስራሕ ፍቃድን ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ናይ ኮንስትራክሽን ማለት ተኮናተራይነት ምዝጋባ ካርዲ ግብሪ ክፍሊ ሰርተፌኬት ቲን መቅረባይነት ሰርተፍኬት ቫት ምዝጋበ ወረቀትን ናይ ዝሐለፈ ወርሒ ናይ ቫት ዲኬለሬሽን ዘቅርብ

2 መክበሪ ጨረታ ብር 50000 ቅርሺ /ሓምሳ ሽሕ / ካብዞም ዝስዕቡ ብሓዲኡ መልክዕ ዘቅርብ ኮይኑ ብንግዲ ባንኪ ኢትዩጰያ ካብ ዝተፈቀደሎም ባንኪታት ወይ ፋይናንሳዊ ትካላት ዝዉሃብ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ዉሕስና ብንኪታት ወይ ፋይናንሳዊ ትካላት ብዝረጋገፆ ቼክ ወይ ስፒኦ ከቅርቡ ዝክእሉ

3 ተጫረቲ ናይ ትጫረትሉ ተፋሰስ ማለት ድሬኔጅ ፕሮጀክት ስራሕቲ ሳይት ካብ ዝተረከበሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 120 ተካታተልቲ መዓልቲታት ሙሉእ ብሙሉእ ዛዚሞም ከረክቡ አለዎም

4 ተጫረቲ ብቤት መዘጋጃ ከተማ ራማ ዓዲ ኣርባዕተ ከይዲ ሰራሕ ዝተዋደደ መሰረት ልምዓት ዝተዳለወ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 23 ታሕሳስ 2016 ዓም ጀሚሩ ካብ ቤት መዘጋጃ ከተማ ራማ ዓዲ ኣርባዕተ ከይዲ ስራሕ ዝተዋደደ መሰረት ልምዓት ከተማ ራማ ቢሮ ቁፅሪ 5 ምዉሳድ ይክእሉ

5 ተጫረቲ ዝመልእዎ ጨረታ ሰነድ ሐደ ኦርጅናል ሙሉእ ሰነድ ብክልተ ቅዳሕ ሰነዳት ዝቀርቡ ድማ ዝርዝር ስራሕን ስእሊ ናይ ጨረታ መክበሪ ቤት ፅሕፈት ልምዓተ ዘፈር ቁጠባ ዝተዉሃቦ ብርኪ ትካል ምስክር ወረቀተ ዝሐደሱ ንግዲ ምዝገባ ምስክር ወረቀትን ንግዲ ስራሕ ፍቃድን ናይ ኮንስትራክሽ ወይ ተኮናታራይነት ምዝገባ ካርዲ ናይ ግብሪ ከፋላይ ምዝገባ ቲን መቅረባይት ሰርተፊኬት ቫት ምዝገባ ወረቀትን ናይ ዝሐለፈ ወርሒ ናይ ቫት ድኬሬሽን ሰነዳት ኣብ ዝተፈላለዩ ፖስታ ምስዓሸጉ ኩሎም ፖስታታት ኣብ ካሊ ዓብይ ፖስታ መሊሶም ብምዕሻግ ናይቲ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ሽም ኣብ ልዕሊ እቲ ፖስታ ብዝርአ ቀሎም ብምፅሓፍ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 5 አብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ክሳብ ዕለት 13 ጥሪ 2016 ዓም ሰዓት 3:00 ናይ ቅድሚ ሰዓት ብኣካል ብምምፃእ ከእትዉ አለዎም

6 ተጫረቲ እቲ ጨረታ ሰነድ ብዉነ ተረዲኦም ዋጋ ብምምላእ ኣብ ሕድሕድ ገፅ ፊርሞምን ማሕቶምን ብምምዕራፍ እቲ ጨረታ ሰነድ ከምቲ ክሽዎጥ ዝነበረ ከይኣጎደሉ ከቅርቡ አለዎም

7 እቲ ጨረታ ኩሎም ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከለቶም ኣብ ዝተረከበሉ ዕለት 13 ጥሪ 2016 ዓም ሰዓት 3:00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ልክዕ ሰዓት 3:30 ኣብቲ ዕለት ኣብ ቤት መዘጋጃ ከተማ ራማ ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ዝተዋደደ መሰረት ልምዓት ከተማ ራማ ቢሮ ቁፅሪ 5 እቲ ጨረታ ይክፈት

8 እቲ ቤት ፅሕፈት ወይድማ ከይዲ ስራሕ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

9 መግዝኢ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 500 ቅርሺ ሒዙ ናብ ቢሮ ቁፅሪ 5 ክትሕዝ ዝክእል

ተወሳኪ ሐበሬታ ንምርካብ  0925427138 0920063421

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo