ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ጠረጴዛ፣ ሸልፍን ፋይል ካብኔትን ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደለየ ክትጫረቱ እትደልዩ ሲዒቡ ተዘርዚሩ ዘሎ ሮቑሓ እተማልኡ ትካላት ንክትወዳደሩ ይዕድም፡፡

ደደቢት ትካል ልቓሕነ ምዕቓሪን/ደደቢት ትፍልም/

ን2ይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ


1. ተጫረቲ ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ TIN ከቕርቡ ዝኸእሉን ከምኡ እውን ናይ 2015 ዓ.ም ሕጋዊ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም፡ ቫት ተመዝገብቲ ምዃንኩም መረዳእታ ክተቕርቡ ኣትኽእሉ፣

2. ተጫረቲ ካብ ዘቕርብዎ ጠቕላላ ዋጋ ካብ 2% ዘይነኣሰ ናይ ጨረታ መኸበሪ ሕጋውነቱ ዝተረጋገፀ CPO ብፖስታ ዓሺጎም ከቅርቡ ይግባእ፡፡

3. ዝርዝር ዝሓዘ ደኩመንት ካብ ዕለት 26/04/2016 ዓ.ም ጀሚሩ ካብ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ማይክሮ ፋይናንስ ጨንፈር መቐለ ቁ2 ብብር ብብር 50/ሓምሳ ብር ጥራሕ/ ብምኽፋል ኣብ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ትኽእሉ፣ ጨረታ ሳንዱቕ ኣታዊ ዝግበረሉ 3፡00 ናይ ንጉሆ ዘሎ ግዜ

4. ናይ ጨረታ ደኩመንት ብፖስታ /ሽምዒ/ ዝተዓሽገ ኾይኑ ናብ ካብ ዕለት 26/04/2016 ዓ.ም እስካብ ዕለት 14/5/2016 ዓ.ም ሰዓት ይኸውን፣

5. ጨረታ ዕለት 14/5/2016 ዓ.ም ሰዓት 3፡00 ናይ ንጉሆ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ተዓሺጉ በቲ ዕለት ሰዓት 3፡30 ናይ ንጉሆ ተጫረቲ ወይ ወኪሎም ኣብ ዝተረኸብሉ ብኣባላት ጨረታ ኮምቴ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ኣብ ቤት ፅሕፈት ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ይኸፈት፡፡ ተጫረቲ ወይ ወኪላት ብኣካል እንተዘይተረኸቡ እውን እቲ ጨረታ ዝክፈት ይኸውን፡፡

6. ናይ ጨረታ ሰዓራይ ውፅኢት ምስተፈለጠ ካብ ጠቕላላ ዋጋ 10% ናይ ስራሕ ኣፈፃፅማ ውሕስና /unconditional Perfomance bond/ ከትሕዝ ዝኸእል፣

7. ናይ ጨረታ ሰዓራይ ውፅኢት ምስተገለፀ ኣብ ውሽጢ ተኸታተልቲ 7 መዓልቲ ካብ ሕድሕድ ዝሰዓረሉ ንብረት ሓደ ሳምፕል ሒዙ ብምቅራብ ናብ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ዋና ቢሮ ቐሪቡ ውዕሊ ክኣስር ኣለዎ፡፡

8. ተጫረቲ ትካል ካብ ዘቕረቦ ስፐስፍኬሽን ወፃኢ ከቕርቡ ኣይፍቀድን

9. ትካል ዝሓሽ መማረፂ እንተረኺቡ ነዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣

10. ተወሳኺ ሓበሬታ እንተድልዩ ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ሳልሳይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 307 ብኣካል ብምቕራብ ምርካብ ይካኣል እዩ፡፡

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo